ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስታት 765 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ኢጣልያ ምእታዎም ተሓቢሩ


ብትካል ሴቭ ዘ ችልድረን ትውነን መርከብ ቮ ሄስታ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ኣስታት 765 ስደተኛታት ሎሚ ሓሙስ ኢጣልያ ምእታዎም ተሓቢሩ።

ኣብታ ቀንዲ መናሃሪት ስደተኛታት ዝኾነት ከተማ ሳባርታ ኣብ ዝሓለፈ 10 መዓልታት ብዝተላዕለ ግጭት ብዙሃት ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ካብቲ ቦታ ይብገሳ ምህላወንን’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ኣብ መጀመርያ ኣርባዕተ መዓልታት’ቲ ግጭት ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታ መንግስትን ዕጡቃት ተቓወምቲን ካብ ክልቲኡ ወገን ሽዱሽተ ወታሃደራት ምሟቶምን 48 ምቁሳሎም ይግለጽ።እቲ ጉጀለ ተቓወምቲ ቀንዲ ጉጅለ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ምኳኑ’ውን ይሕበር ኣሎ።

ኣስታት 765 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ኢጣልያ ምእታዎም ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:23 0:00

ኣብ መንጎ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ሊብያ ዝተበጽሓ ስምምዕ መሰረት ካብታ ሃገር ዝበገሳ ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ደው ንምባል ብሓለዋ ባሕሪ ብዝተወስደ ስጉምቲ ቁጽሪ ማእከላይ ባሕሪ ዘቋርጹ ስደተኛታት ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ምጉዳሉ ዝፍለጥ እዩ።

ወሃቢት ቃል እቲ ትካል ጂዮቫና ዲ በነዲቶ ብዙሓት ስድራቤታትን ልዑል ቁጽሪ አላይ ዘይብሎም ህጻናት ካብቶም ሎሚ መስከረም 28,2017 ኢጣልያ ዝአተው ስደተኛታት ምኳኖም ሓቢረን።

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘሎ ዘንቆልቁል ዘሎ ኩነታት ጸጥታን ዓማጺ ስጉምቲ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንብዙሓት ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘበርኽታ ዝነበረ ትካላት ስርሒታተን ደው ከብላ ምግዳደንን፡ ነተን ኣብቲ ቦታ ዝተረፋ ድማ ኣብ ገማግም ባሕሪ ርሒቐን ብምርኻበን ንስርሒታት ህይወት አድሕን ይዳናጎይ ምህላው ይገለጽ’ሎ።

ኢጣልያ ብወገንና ንቁጽሪ እቶም በብእዋኑ ናብ ሃገራ ዝኣትው ስደተኛታት ንምጉዳል ትቃለስ አላ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ልዕሊ 200 ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ትሪፖሊ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ምድሓኖም ሓቢሮም አለው።

ካብቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ዝበዝሑ ካብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝመጹ ስደተኛታት ምኳኖም 30 ደቂ ኣንስትዮን 20 ህጻናት ከምዝርኸብዎም ተገሊጹ’ሎ።

XS
SM
MD
LG