ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ሬሳ 30 ኢትዮጵያዊያንን ሶማልያዊያንን ተረኺቡ


ፋይል
ፋይል

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ኣብ ገማግም ማያት የመን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብውሑዱ ናይ 30 ኢትዮጵያዊያንን ሶማልያዊያንን ሬሳ ከምዝተረኽበ ገሊጹ።

ብዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ሰባት ብጀልባ ይጉዓዙ ዝነበሩ ክኾኑ ከምዝኽእሉ እቲ ትካል ሓቢሩ’ሎ።

ካብታ 152 ሶማልያዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ጽዒና ዝነበረት ጀልባ ናብ ጅቡቲ ተምርሕ ከምዝነበረትን ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ገሊጾም ኣለው እታ ጀልባ ዝተገልበጠት ድምጺ ተኩሲ ምስ ሰምዑ ከምዝኾነ’ውን ሰራሕተኛታት ረድኤት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም ኣለው።

ወሃቢ ቃል ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ጆወል ሚልማን እታ ጀልባ ብዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ትንቀሳቀስ’ያ ተባሂሉ ከምዝእመን ካብቶም ስደተኛታት ብተወሳኺ ገንዘብ ንምርኻብ ተኹሲ ከፊቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ገሊጾም።

ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ካብ ቁበጺ ተስፋ ዝተላዕለ ካብ የመን ክወጹ ናብ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ከምዝኸዱ ተገሊጹ።

XS
SM
MD
LG