ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መብዛሕትኦም ኤርትራዊያን ዝኾኑ 320 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም


“ሴቭ ዘ ችልድረን” ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ዘድሓኖም 320 ስደተኛታት ነሓሰ 4,2017 ዓ.ም ናብ ወደባይት ከተማ ኦጉስቶ ኢጣልያ ምእታዎም ተገሊጹ።

ነቲ ስርሒት ህይወት አድሕን ዘካየደ ትካል “ሴቭ ዘ ችልድረን” ሸሞንተ ሬሳታት ምርኻቡ’ውን ኣፍሊጡ።

መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ካብ ኤርትራ ምኳኖም ብምሕባር 50 ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ብዙሓት ነፍሰ ጾር ደቂ ኣንስትዮ ከምዝርኸብዎም ወሃቢት ቃል ሴቭ ዘ ችልድረን ጆቫን ዲ በነዲቶ ገሊጸን። ንሰን ብተወሳኺ ገለ ካብቶም ስደተኛታት ምልክታት ጎነጽን በሰላ ስቅያትን ከምዘለዎም’ውን ሓቢረን።

መብዛሕትኦም ኤርትራዊያን ዝኾኑ 320 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:56 0:00

ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ነቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዘካየደትን ሉቨንታ ዝተባህለት መርከብ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግግጋር ሰባት ትተሓጋገዝ እያ ብዝብል ነታ መርከብ ምቁጽጻሮም ገሊጾም።

መራኸቢ ብዙሃን ኢጣልያ አቐዲሞም አባላት ፖሊስ ናብታ መርከብ ከምዝለኹን ብቪድዮ ዝተሰነደ ምርመራ ምክያዶም ክገልጹ ከለው ወሃቢት ቃል ሴቭ ዘ ችልድረን ግን እቶም ኣብ ጸብጻብ መራኸቢ ብዙሃን ኢጣልያ ዝተጠቐሱ ሰባት አባላት እቲ ትካል ከምዘይኮኑ እንተኾነ ብወናኒ እታ መርከብ ዝኾነ ትካል ዝተቆጽሩ አባላት ጸጥታ ምኳኖም ትገልጽ።

እታ መርከብ ብናይ ጀርመን ሓገዝ ወሃቢ ትካል ከምትውነን’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG