እቶም ስደተኛታት ኣብ ወደባይት ከተማ ፓዘሎ ኣብ ዝበጽሕሉ እዋን ብመሰረት ካብኣቶም ዝተረኽበ ቃል ምስክርነት ሓሙሽተ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ይነጥፉ ኔሮም ዝተባህሉ ጥርጡራት ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።
እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 85 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ትሪፖሊ ቀዳም ሓምለ 8,2017 ምድሓኖም ሓቢሮም።
ካብቶም ብህይወት ዝደሓኑ ሸውዓተ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ምኳኖምን ነፍሰጾር አዴታትን ደቂ ኣንስትዮ’ውን ከምዝርኸብዎም ተገሊጹ።
እቶም ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ተጻዒኖምላ ዝነበረት ጀልባ ኣብ ገማግም ከተማ ጋርቡሊ ዝተረኽበት ኽትኸውን ከላ እታ ከተማ ንብዙሓት ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን መበገሲ ቦታ ምኳና’ውን ሓለዋ ባሕሪሊ ሊብያ ይገልጹ።
ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ልዕሊ 85,000 ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ጣልያን በጺሖም’ዮም። ካብዚኦም ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጡ 2,150 ኣብቲ ጉዕዞ ህይወቶም ምስ ኣኖም ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ዓለም ይገልጽ።