ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ፈረንሳ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ጎደናታት ፓሪስ ሰጊጎም


ፖሊስ ፈረንሳ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ጎደናታት ፓሪስ ሰጊጎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:20 0:00

ፖሊስ ፈረንሳ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብ ጎደናታት ፓሪስ ሰጊጎም

ፖሊስ ፈረንሳ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ፓሪስ ኣብ ጎደናታት ዝነብሩ ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ሎሚ ዓርቢ ምስጓጎም ተሓቢሩ። መብዛሕትኦም ካብ ብኩናትን ግጭትን ብተደጋጋሚ ካብ ዝረአየለት ሃገራት ሱዳን፡ኤርትራን ኣፍጋኒስታን ዝመጹ ምኳኖም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ብኣሰተታት ዝቑጸሩ መካይን ፖሊስ ኣብ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ናብቲ ቦታ ብምኻድ ነቶም ቁጽሮም ካብ 2,000- 2,500 ዝግመት ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብቲ ዝነብሩሉ ዝነበረ ጎደናታት ምስጓጎም አባል ምምሕዳር ከተማ ፓሪስ ዶመኒክ በርሲኒ ይገልጻ።

ንሰን ብተወሳኺ ኣስታት 100 ዝኾኑ ስደተኛታት ናብቲ ብፖርተ ደላ ቻፕለ ዝተባህለ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ፓሪስ ዝርከብ አከባቢ ከምዝመጹን ዝበዝሑ ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን ማእኸላይ ምብራቕን ምኳኖም ን”ሲ ኒውስ” ዝተባህለ መሓውር ዜና ኣብ ዝሃብኦ ቃል ይሕብራ።

እቶም ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ካብቲ ቦታ ናብ ኣውቶቡሳትን ክጸዓኑ ከምዝተራእዩን ናብ ዝተፈላለዩ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ማእከል ስደተኛታትን ከምዝተወስዱ ተፈሊጡ’ሎ።

ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጀራርድ ኮሎምብ ምስ ቁጽሪ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ናብቲ ቦታ ዝመጹ እቲ ኩነታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ምኳኑ ይገልጹ።

ንሶም ብምቅጻል መስርሕ ምሕታት ዑቕባ ኣብ ሓጺር ጊዜ ክሰላሰል ንፕረዝደንት ፈረንሳ ኢማኑ ኤል ማርኮን ከምዝሓተትዎምን፡ እቲ መደብ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ዑቕባ ዝረኽብን ዘይረኽብን ፈሊኻ ንምፍላጥ ምኳኑ ወሲኾም የረድኡ።

ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምምልኡን ተወሳኺ ዝተዳለዉ ክልተ መዓስከራት’ውን ነቲ በብእዋኑ ዝውስኽ ቁጽሪ ስደተኛታት ከማልእ ዘይምኽኣሉ ይፍለጥ።

ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ብተወሳኺ ኣብታ ዝሓለፈ ዓመት ዝፈረሰ ብ”ጫካ” ዝፍለጥ ካልያስ ዝተባህለ ከባቢ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ክሰፍሩ ምጅማሮም ይገልጹ።

መብዛሕትኦም ኣብ ካልያን ዝስፍሩ ብሪጣንያ ንምብጻሕ ዝተበገሱ ክኾኑ ከለው ፡ እዚ ቦታ ድማ ነቲ ኣውሮጳ ገጢምዋ ዘሎ ቀውሲ ስደተኛታት መርኣያ ምኳኑ ይግለጽ።

XS
SM
MD
LG