ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጀራርድ ኮሎምቦ ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሊያስ በጺሖም


ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጀራርድ ኮሎምቦ ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሊያስ በጺሖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:53 0:00

ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጀራርድ ኮሎምቦ ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሊያስ በጺሖም

ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ጀራርድ ኮሎምቦ ንወደባይት ከተማ ካሊያስ ኣብ ዝበጽሕሉ ምስ ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ተራኺቦም፡ምዝርራቦም ተገሊጹ።

ንሶም ብተወሳኺ መግብን መጽለሊ ዝደልዩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ኣብ ጎደናታት እታ ወደባይት ከተማ ዳግማይ ክረአዩ ምጅማሮም ብምሕባር ተወሳኺ ሓይሊ ፖሊስ ናብቲ ቦታ ከምዘዋፈሩ ገሊጾም።

ሚኒስትር ኮሎምቦ ንጉዳይ ሓተቲ ዑቕባ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒ ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ከም ዝተኣታትው ብምግላጽ “ዝሓለፈ ጌጋ ንዘይምድጋም” ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ኣብ ሓደ ቦታ ካብ ምእካብ ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ፋሕ ምባል ዝሓሸ ኣማራጺ ምኳኑ ገሊጾም።

ዝሓለፈ ዓመት ሰበ ስልጣን ፈረንሳ ነቲ ኣብ ወደባይት ከተማ ካሊያስ ብ”ጫካ” ዝፈልጥ ስደተኛታት ዝዕቑብሉ ቦታ ምፍራሶም ይዝከር። ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታት ድማ ናብ ካልእ መዕቆቢታት ምጥያሶም ይፍለጥ።

ሚኒስትር ኮሎምቦ ኣብዚ ምብጻሖም ነቲ ዝነበረ ማእኸል ስደተኛታትን ዳግማይ ምፍጣር ነቲ ዝነበረ ኩነታት ዝደግም ምኳኑ ሓቢሮም።

ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ብወገኖም ካብ 400-600 ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ዳግማይ ኣብ ጎደናታት ወደባይት ከተማ ካልያስ ክሰፍሩ ጀሚሮም ምህላዎም ይገልጹ።

እቲ ማእከል ቅድሚ ዝሓለፈ ዓመት ምፍራሱ ነቲ ኣውሮጳ ገጢምዋ ዘሎ ቀውሲ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ከም መርኣያ ኣብነት ዝጥቀስ ከምዝነበረ ይፍለጥ።ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ግን ኣብ እዋን ምፍራስ እቲ ማእክል ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ናብቲ ቦታ ከምዝምለሱ ኣጠንቂቆም ምንባሮም ይዝከር።

ሓድሽ ዝተመርጸ ፕረዝደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማርኮን መንግስቶምን ነቲ ኣብ ካሊያስ ዘሎ ኩነታት “ዘይሰብኣዊ” እዩ ኢሎም ካብ ዝኸሱ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ጸቕጢ ይገጥሞም ምህላዉ’ውን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG