ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሮማ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታትን አባል ሰልፊ ጸጋማዊያን ኢጣልያ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም


ኢጣልያ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወሰደቶ ስጉምቲ ምስጓግ 800 ስደተኛታት ስዒቡ ንሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ብብዙሓት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቐፌታ ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ክስተት ንከተማ ሮማ ዝበጽሑ በጻሕቲ ሃገር ብብዝሒ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዘጋጠመ ብምኳኑ ብዙሓት ኢጣልያ ኣብ ልዕሊ ሓተቲ ዑቕባ ዘለዋ ተሪር መርገጺ ዘርእይ እዩ ክብሉ ርእይቶኦም ምሃቦ’ውን ይፍለጥ።

ቀዳም 19 ነሓሰ, 2017 ፖሊስ ሮማ ናብ ኣስታት 800 ስደተኛታት ንዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት ክነብርሉ ዝጸንሑሉ ህንጻ ብምእታው ካብቲ ቦታ ክወጹ ኣዚዞም። መብዛሕትኦም ኣብታ ህንጻ ዝነብሩ ኤርትራዊያንን ኢትዮጵያዊያንን ክኾኑ ከለው ገለ ካብኦም ን15 ዓመታት ኣብ ኢጣልያ ዝነበሩ’ውን እዮም።

ድሒሩ ሓሙስ 24 ነሓሰ,2017 ፖሊስ እታ ከተማ ናብቲ ቦታ ብምምላስ ኣብ ኣፍደገ እቲ ህንጻ ዝነበሩ ስደተኛታት ብማይ ክሰጉዎም ኣብ ዝፈተንሉ ግጭት ምልዓሉ’ውን ይዝከር።

ኣብቲ ህሞት ዝተላዕለ ቪድዮ ትኹረት ብዙሓት ዝሰሓበ ኮይኑ ተቓወምቲን የማናዊያን ፓርትታት እታ ሃገርን ነቲ ስጉምቲ ክድግፉ ከለው ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ግን እቲ ስጉምቲ “ ከምዘተሓሳሰቦ” ገሊጹ’ሎ።

ሮማ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታትን አባል ሰልፊ ጸጋማዊያን ኢጣልያ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:21 0:00

ብተወሳኺ እቲ ትካል ነቶም ኣብ ጎደናታት ዘለው ስደተኛታት መንግስቲ ኢጣልያ መዕቖቢ ከናድይን ነቶም ግቡእ ወረቐት ዘለዎምን ብዓለምለከ ሕጊ ዑቕባ ዝግብኦምን ድማ ግቡእ ናይ መጣየሲ ስጉምቲ ክወስድ ጻዊዒት ኣቕሪቡ።

ኢጣልያ ኣብ መስርሕ ምስጓግ ስደተኛታት ካብ ዝነብርሉ ህንጻ ሓድሽ መምርሒ ከተ ታኣታትው ምኳና ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።

ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ንመጻኢ ከምዚ ዓይነት ናይ ምስጓግ ስጉምቲ ግቡእ መዕቆቢን መፍትሒ ኣብ ዝተዳለወሉ ከምዝኸውን ዝገለጸ እንተኾነ ኣብ ጎደናታት ሮማ ዘለው ስደተኛታት ካብ ካልእ ቦታ ምግዓዝ ግን ሕጂ’ውን አጸጋሚ ኮይኑ አሎ።

ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ነዞም ስደተኛታት ካብታ ከተማ ኣብ 75 ኪ.ሜ ርሕቐት ዝርኸብ ቦታ ከግዕዙ እንተፈተኑ እዚ ግን ንኣብ ከተማ ሮማ ዝተመዝገቡ ተማሃሮ ጸገም ዝፈጥር ብምኳኑ በቶም ስደተኛታት ተቀባልነት ኣይረኸበን።

ናይቲ ከተማ ኣመሓዳሪ’ውን ነዚ መደብ ዘይምቕባሉ ካልእ ጸገም ኮይኑ አሎ።

XS
SM
MD
LG