ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊባኖን፡ ፍልሰተኛታት ሰራሕተኛታት ተቓውሞ የካይዱ


ሊባኖን፡ ፍልሰተኛታት ሰራሕተኛታት ተቓውሞ የካይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:27 0:00

ሊባኖን፡ ፍልሰተኛታት ሰራሕተኛታት ተቓውሞ የካይዱ

ኣብ ሊባኖን ዝነብሩ ፍልሰተኛታት ሰራሕተኛታት ንአጸጋሚ ኩነታት መነባብሮኦም ብምቕዋም ኣብ ጎደናታት እታ ሃገር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዶም።

ብመሰረት ሓበሬታ ትካል ዓለምለኸ ሰራሕተኛታት ኣብ ሊባኖን ልዕሊ 200,000 ፍልሰተኛታት ሰራሕተኛታት አለው።

ኣብዚ ሕጂ እዋን መብዛሕትኦም ሰራሕተኛታት ብ “ካፋላ” ዝፍለጥ ስምምዕ ዝሰርሑ ኮይኖም እዚ ስምምዕ ንሰራሕተኛታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ኣስራሒ ጥራይ ዝቕይድን ናብ ዝተፈላለየ ዓመጽ ዘቓልዕን’ዩ።

እቶም ኣብ ጎደናታት ሊባኖን ተቓውሞ ዘካየዱ ፍልሰተኛታት ሰራሕተኛታት ድማ ነዚ ስምምዕ ብምቕዋም ሰራሕተኛታት ብናይ ሰራሕተኛታት ሕጊ እታ ሃገር ክመሓደሩን መንግስቲ ነዚ ስምምዕ “ካፍላ” ክስርዝ ይጠልቡ።

“ናብዚ ዝመጻእና ከምቲ ሊባኖንያዊያን ናብ ካልእ ሃገር ከይዶም ዝሰርሑ ንሕና’ው ከምኡ ኢና። ከም ሰባት ክርእዩና’ዩ ዝግባእ፡ ክብሪ ክህቡና ኢና ንደልይ። ንስድራ ቤቶምን ደቆምን ንህልው ግን እቲ ዝግባእ ክብሪ ኣይህቡናን።”

ብመሰረት ሓበሬታ ትካል ተሓላቂ ሰብአዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ገለ ሰራሕተኛታት ኣብ ሊባኖን ውላድ ብምውላደን ጥራይ ካብታ ሃገር ምጥራዘን ይገልጽ።

ካብ ወርሓት ክረምቲ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ሊባኖን አስታት 21 ፍልሰተኛታት ሰራሕተኛታት ብሰንኪ ውላድ ካብታ ሃገር ምጥራዞም ይፍለጥ።

ኣብ ትካል ተሓላቂ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ተመራማሪ ዝኾኑ ባሳም ካህወጃ ኣብ ጉዳይ ፍልሰተኛታት ሰራሕተኛታት ሊባኖን ዝነጥፍ ትካል ነቲ ዘይፍትሃዊ ዝኾነ መቕጻዕቲ ደው ከብልን ንናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ጸጥታን ጻውዒቶም የቕርቡ።

“ኣብ ሊባኖን አስታት 250,000 ፍልሰተኛታት ሰራሕተኛታት ኣለው መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን ካብ ሃገራት ኔፓል፡ባንግላዴሽ፡ ኢትዮጵያን ስሪላንካን ዝመጻ እየን።ሁማን ራይትስ ዎች ንዓመታት ብሰንኪ ስምምዕ “ካፍላ” ኣብ ልዕሊ እዘን ሰራሕተኛታት ዝበጽሕ ዝተፈላለየ ዓመጽ መዝጊብዎ’ሎ። ገለ ካብኡ አስራሕቲ ንፓስፖርት ሰራሕተኛታት ይሕዙ፡ ናይ ዕረፍቲ መዓልታቶም ይቕይዱ: ካብ ስምምዕ ወጻኢ ንሰዓታት የስርሑን ክፍሊቶም ብግቡእ ኣይኸፍሉን ዝብሉ ይርኸብዎም።”

መብዛሕትኦም ኣብ ሊባኖን ዝርኸቡ ፍልሰተኛታት ሰራሕተኛታት ካብ ሃገራት ኤስያን ኣፍሪቃን ኮይኖም ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሊባኖን ክነብሩ ዝጸንሑ እዮም።

ኣብ ኣሽራፊ ዝተባህለ ከባቢ ዝነብሩ ፍልሰተኛታት ኣብቲ ከባቢ ዝርኸብ ማእከል ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ትምህርቲን ካልኦት ንጥፈታትን ዘድልዮም ሓገዝን ይረኽቡ።

ክልተ መንነተን ክግለጽ ዘይፈቐዳ ደቂ ኣንስትዮ ታሪኸን ከምዚ ክብላ የካፍላ።

“ብሰንኪ ናይ መንበሪ ጉዳይ ትምህርተይ ክኸታተል ኣይኸአልኩን። ምክንያቱ ቀጻሊ መንበሪ ፍቓድ ይወሃብ’ዶ ኣይወሃብን ኣብ ዝብል ሞገተን ፍርሂን እየ ዝነብር፡ ንቅድሚት ክስጉም ይክእል’ዶ?” ዝበለት ኣብ ሊባኖን ዝተወልደት ጓል 16 ዓመት ስሪላንካዊት ኾይና ማይክሮባይሎጂ ከተጽንዕ ከምትደልይን ሊባኖን ከም ካልኣይ ሃገራ ከምትርእያ ትገልጽ።

ካልእ ኢትዮጵያዊት ሰራሕተኛ ኣብ 2001 ዓ.ም ናብ ሊባኖን ዝኸደት ሱዳናዊ ተመርዕያ ሓሙሽተ ቆልዑ ዝወለደት፡ በዓል ቤታ ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት ብዘይ ኣፍልጦ ናታ ካብቲ ሃገር ምጥራዙን ካብ 2016 ዓ.ም. ጀሚሩ ብዘይሕጋዊ ወረቐት ትነብር ከምዘላ ብምሕባር ንሳን ደቐና ኣብ ቀጻሊ ፍርሂ ከምዝነብሩ ትገልጽ።

“ኩሉ ጊዜ ኣብ ፍርሂ ኢና ዘለና፡ ሓሙሽተ ቆልዑ አለውኒ ካብዚ እንተተጠሪዝና ናበይ ክንኸይድ ኢና?”

መብዛሕትኦም ፍልሰተኛታት ሰራሕተኛታት ኣብ ሊባኖን ደቂ ኣንስትዮ ክኾና ከለዋ ናይ ገዛ ስርሓት፡ ቆልዑ ኣብ ምዕባይን ኣብ ትምህርቲ ቆልዑ ኣብ ምሕጋዝ ዝአመሰሉ ስርሓት ዝተዋፈራ እየም።

ብመሰረት ዓለምለኸ ትካል ሰራሕተኛታት 80 ሚእታዊት ካብ ፍልሰተኛታት ስራሕተኛታት ዓለም ደቂ ኣንስትዮ ምኳነን ኣብ ወግዓዊን ተአፋፊ ስራሓት ዝወፈራ ሰራሕተኛታት ምኳነን ብተወሳኺ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG