ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣውሮፓ ንዘይጋዊ ኣስገርቲ ዒላማ ክገብር እየ ኢላ


ስደተኛታት ንባሕሪ መድትራኒያን ክሓልፉ ኣብ ዝፍትንሉ እዋን በዝሒ ናይ ዝሞቱ እናዓበየ ይኸድይ ኣብዘለሉ እዋን ኣውሮፓ ንዘይሓጋዊ ኣስገርቲ ደቂ ሰባት ዒላማ ብምግባር ጠጠው ከብሎ እየ ትብል ኣላ።ክኢላታት ግን ኣብ ሰፊሕ መርበብን ዝተዋደደ ገበንን ንግዲ ሰባት ንምቁፅፃር ከምዚ ዝበለ ስጉምቲ ምውሳድ ኣፀጋሚ እዩ ይብሉ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ባሕሪ ብምጥላቕ፣ ብጥምየትን ፅምእን ሃሊቆም እዮም።

ጣሊያን ኣብዝርከብ ዩኒቨርስቲ ትረንቶ ናይ ገበን /criminology/ መምህር ዝኾኑ ኣንድሪ ኒኮላ ናብ ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን ብምኻድ ኣብ መርበብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ንዝተሳተፉ ቃለ ምልልስ ዘካየዱ እዮም።ቀንዲ መናሃሪያ ስደተኛታት ካብ ዝኾነት ሚላን ኣብዝብሃብዎ ሪኢቶ እቲ ንግዲ ጨካን ምዃኑን እቶም ኣስገርቲ ብመርበብ ከምዝሰርሑን ነንባዕሎም እውን ከምዝተሓባበሩን ገሊፆም።ንቶም ፈተናታት እውን ከምዚ ይብሉ ‘’ናይ ሊቢያ መንገዲ እንተዓፂናዮ ምናልባሽ ካብ ቱኑዚያ ወይ ካብ ኣልጀሪያ ወይ ድማ ካብ ቱርኪ ክሰርሑ ይኽእሉ እዮም። ተዓፃፀፍትን ተለዋወጥትን እዮም’’ኢሎም።

ኣውሮፓ ኣንፃር ዘይሕጋዊ ኣዛወርቲ ሰባት ዒላማ ዝገበረ ስጉምቲ ክውሰድ ክትፅውዕ ፀኒሓ እያ።ጉዳይ ፖለቲካ ኣብ ዘማኽር Eurasia Group ዝተብሃለ ትካል ዝሰርሑ ሪካርዶ ፋቢያኒ ከምኡ ምግባር ኣፀጋሚ’ዃ እንተኾነ ኣይክኣልን ዝህባል ግን ኣይኮነን ይብሉ።ንዝርዝሩ የድምፁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:33 0:00

XS
SM
MD
LG