ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስታት 600 ስደተኛታት ዝፅዓነት ጀልባ ኣብ ማያት ግብፂ ተገልቢጣ


ኣስታት 600 ስደተኛታት ፅዒና ተባሂላ እትግመት ጀልባ ሎማዕንቲ ረቡዕ ምስተገልበጠት ሰራሕተኛታት ኣድሕን ህይወት ኣብ ማያት ግብፂ ኣለሻ የካይዱ ኣለው።

እንተወሓደ 29 ሰባት ከምዝሞቱን 150 ሰባት ተሳፈርቲ ብህይወት ከምዝተረፉን ምንስቴር ጥዕና ግብፂ ገሊፆም።

እታ ጀልባ ኣብ ጥቓ ከተማ ራሺድ ካብ እትርከብ ቦርጂ ሚገዚ ሓሙሽተ ኪሎ ሜትር ምስ ተጉዓዘት ሩባ ናይል ናብ ባሕሪ ሜድትራኒያን ኣብ ዝኣተወሉ ቦታ ከምዝተገልበጠት ከባቢያዊ መራኸቢ ብዙሃን ፀብፂበን።

ግብፂ ናብ ኣውሮፓ ንምእታው ኣብ ዝግበር ሓደገኛ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ንስደተኛታት ኣፍሪካን ማእኸላይ ምብራቕን መውፅኢት ሃገር ኮይና’ላ።

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት /IOM/ ኣብዚ ዓመት እዚ ብባሕሪ ንምቁራፅ ክፍትኑ ከለው ልዕሊ 3,200 ሰባት ከምዝሞቱ ገሊፁ’ሎ።

XS
SM
MD
LG