YB Plant Micro Propagation ዝበሃል በይናዊ ትካል ኣብ ትግራይ ዝመሃዞ ማይ፣ንፋስን ፀሓይን ጥራሕ ብምጥቃም ብዘበናዊ ሜላ ቀለብ እንስሳን ሰብን የፍሪ’ሎ።
ነቲ ስራሕ ዝጀመሮን ዝመርሖን ተመራማሪ ብሓይሉ ኣብርሃ ይበሃል።
እዚ ሜላ እዚ ብርክት ዝበለ ሓለፋን ረብሓን ኣለዎ። ኣብ ብጣዕሚ ፀቢብ ቦታ ብርኩት ምህርቲ ንምርካብ የኽእል።ንኣብነት ኣብ 50 ትርብዒት ሜትሮ 600 ኪሎ ቀለብ ጥሪት ምርካብ ይካኣል። እንተ በቲ ዝፀነሐ ልማዳዊ ሕርሻ 600 ኪሎ ቀለብ ንምርካብ 10 ሽሕ ትርብዒት ሜትሮ የድሊ።
እዚ ሜላ እዚ ውሑድ መጠን ማይ እዩ ዝጥቀም ሓንቲ ኪሎ ንምፍራይ ካብ 1 ክሳብ 2 ሊትሮ ማይ ጥራሕ እዩ ዘድሊ፤ በቲ ልማዳዊ ድማ ካብ 80 ክሳብ 90 ሊትሮ ማይ ይሓትት። ግዜ ምህርቲ ኣዝዩ እዩ ዝንኪ። ካብ 40 ክሳብ 45 መዓልታት ዝውድእ ዝነበረ ሳዕሪ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ መዓልታት ይባፅሕ።
ኣይተ ብሓይሉ ኣብርሃ ነቲ ሜላ ንምትግባር ዝኾነ ይኹን ኬሚካላዊ ባእታ ከምዘይጥቀሙን ምህርቶም ተፈጥራዊ ህይወት ዘማለአ ምዃኑ ይገልፁ።
ኣይተ ብሓይሉ ኣብርሃ ነቲ ጋህዲ ገይሮምዎ ዘለዉ ምህዞ ኣብ 2006 ዓ.ም ብደረጃ ክልል ትግራይ ኣብ 2007 ዓ.ም ድማ ብደረጃ ሃገር ብልዑል ፀብለልታ ተሸሊሞም። ከምኡ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝተኻየደ 5ይ ዓለምለኻዊ ኣኼባ ውፅኢት ምርምር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ካብ 502 ኣብ ውሽጢ እቶም ዝለዓሉ 15 ኮይኖም ተሓርዮም እዮም።
ምምሕዳር ክልለ ትግራይ ነቲ ምህዞ ናእዳ ብምልጋስ ብስፍሓት ምእንታን ክስራሕ 2000 ትርብዒት ሜትሮ መሬት ፈቒዱ ከምዝሃቦም ኣይተ ብሓይሉ ተዛሪቦም።ኣይተ ብሓይሉ ኣብ ትግራይ ማእኸል ባዮ ቴክኖሎጂ ንምጥያሽ ምስ መንግስቲ ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕሪ ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝርከቡ ደቂ ሃገር ኣብ ጎኖም ክስርዑን ብሓባር ክሰርሑን ፀዊዖም።