ዋሽንግተን —
ድሕሪ ስምምዕ ክልተ ሃገራት፡ ንዶባት ኣመሪካን መክሲኮን ንምሕላው ዝተቐረቡ ሓለውቲ ዶብ ሰራዊት መክሲኮ ናብ ኤልፓሶ ቴክሳስ ተጸጊዖም ዓስኪሮም ኣለዉ። እዞም ብዓበይቲ መካይን ኣብቲ ቦታ ዝራገፉ ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት መክሲኮ፡ ድሕሪ ዝርርብ መራሕቲ ክልተኣን ጎረባብቲ ሃገራት፡ መክሲኮ ንሓለዋ ዶባት ንምጽናዕ ኣስታት 10-ሽሕ ወታሃደራት ከተዋፍር ምዃና ድሕሪ ምስምማዓ’ዩ።
ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታትን ፈንታኔልን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣዝዩ ጎዲሉ ምህላዉ ይፍለጥ። እንተዀነ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ዶባት ናይ ህጹጽ ሓደጋ ኣዋጅ የሕሊፉ’ዩ።
ምጽናዕ ዶባት ክልተ ሃገራት ብወገን ኣመሪካ’ውን ናብ መክሲኮ ዝለኣኽ ኣጽዋር ምቁጽጻር ንኽጸንዕ ካልእ ኣካል'ቲ ምርድዳእ’ዩ። ካብ ኣመሪካ ናብ መክሲኮ ዝኣቱ ኣጽዋራት ኣብ ምግዳድ ጎንጺን ኣሰጋገርቲ ዕጸ-ፋርስን ዓቢ ተራ ከም ዘለዎ ይእመን።
ቅጥዒ