ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሜክሲኮ ብዘጋጠመ ምንቅጥቓጥ መሬት 216 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ሜክሲኮ ትማሊ ሶሉስ ብዘጋጠመ 7.1 ርዕደ መሬት ዝዓቐኑ ምንቅጥቓጥ መሬት 21 ህጻናት ዝርኸብዎም 216 ሰባት ሞይቶም።

እቲ ሓደጋ ዘጋጠመ ንዝኽሪ እቲ ኣብ 1985 ዓ.ም ዘጋጠመ ምንቅጥቓጥ መሬት ኣብታ ተደጋጋሚ ተመሳሳሊ ሓደጋ ዘጋጠመ ሜክሲኮ ምንቅጥቓጥ መሬት ድሕሪ ምዕቓኑ ክልተ ሰዓታት ምኳኑ ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ ዝከፍአ ሓደጋ ዘጋጠመ ኣብ ሓደ መባእታ ቤት ትምህርቲ ምኳኑ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ይገልጹ።

ብተወሳኺ ዝፈረሰ ህንጻታት ይፈርስ ብምህላው እቲ ናይ ህይወት አድሕን ስርሓት እውን ሓደገኛ ከምዝገበሮ ይሕበር።

ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ከባቢ ብቕልጡፍ ዝበጽሑ ፕረዝደንት ሜክሲኮ ፔና ኔቶ ቁጽሪ ግዳያት ክውስኽ ከምዝኽእል ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG