ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባርዕ ቤት ማእሰርቲ ዶባት ኣመሪካ-መክሲኮ ህይወት 40 ሓተትቲ ዑቕባ ወሲዱ


ሲዎዳ ሆረዝ ኣብ ዝተባህለ፡ ምስ ኣመሪካ ዘዳውብ ስፍራ መክሲኮ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስደተኛታት ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ልዕሊ 40 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት 28 ድማ ቆሲሎም። እቲ ኣብ ዶባት ኣመሪካ ዘጋጠመ ክስታት፡ ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ንዝፈተኑ ስደተኛታት ላቲን ኣመሪካ ዝተሓዙሉ ኰይኑ፡ ካብቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ተዓቚቦም ዝጸንሑ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከይስጐጕ ብዝወልዑዎ ጎንጺን ምንዳድ ሓዊን ከም ዝሰዓበ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ።

28 ካብቶም ሓደጋ ዘጓነፎም ዜጋታት ጓቲማላ ክዀኑ እንከለዉ፡ ካልኦት 13 ድማ ካብ ሆንድራስ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ፕረዚደንት መክሲኮን ኣንድረስ ማኑወል ሎፐዝ ኦብራዶር ኣብ ስግር-ዶብ ኣመሪካ ከተማ ኤልፓሶ ዝነበሩ ሓለዋ ዶባት ነቲ ሓደጋ ጠንቂ ምዃኖም ከሲሱ። ንገለ ካብቶም ሓተትቲ ዑቕባ ክሰጉ ምስ ጀመሩ እቲ ናይ ምቅጻል መስርሕ ምጅማሩ ድማ እቲ ፕረዚደንት ጠቒሱ።

በበይኖም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ዘጓነፈ ክስተት ምርመራን ዝግበኦ መፍትሒን ክካየደሉ ስምዕተኦም የቕርቡ ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG