ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተዓጽዩ ዝነበረ መስመር ንግዲ ገላባት- መተማ ምኽፋቱ ኣመሓዳሪ ምዕራብ ጎንደር ገሊጹ


ን25 መዓልታት ተዓጽዩ ዝነበረ መስመር ንግዲ ገላባት መተማ፣ ሎሚ ምኽፋቱ ኣመሓዳሪ ምዕራብ ጎንደር ኣቶ ቢክስ ወርቄ ገሊጹ።

ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት እቲ መስመር ከምዝተኸፈተ ዘፍለጠ መንግስቲ ሱዳን ምኳኑ ዝገለጹ ኣቶ ቢክስ ወርቄ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ሎሚ ከፊትናዮ ኣለና ኢሎም።

ነበርቲ’ቲ ከባቢ ድማ ምኽፋት'ቲ መስመር፣ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ሰላማዊ ርክብ ዘሓይልን፣ ንምንቅስቃስ ንግዲ ዘሳልጥ እዩ ከምዝበሉ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ከተማ ባህርዳር ዝላኣኸቶ ዜና ይሕብር።

XS
SM
MD
LG