ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳናዊያን ዝርከብዎም ዜጋታት ዝተፈላለየ ሃገራት ካብ ሱዳን ሃዲሞም ናብ ኢትዮጵያ ይኣትው ምህላዎም ተሓቢሩ


ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ቀጺሉ ዘሎ ግጭት፣ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ናብ መተማን ከባቢኡን ይኣትው ከምዘለው ሰበ ስልጣን’ቲ ከባቢ ገሊጾም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኣቶ ቢክስ ወርቄ "ካብ ካርቱም ዝመጹ ሰባት፣ ብሕጋዊ ኣገባብ ንክወጹን ጸገም ጸጥታ ንከየጋጥሞም ሓለዋ ይግበረሎም ኣሎ" ኢሎም።

ካብ ካርቱም ዝመጹ ኢትዮጵያዊያን ሱዳናዊያንን ንምሕጋዝ ምስ ትካላት ረድኤት ብምትሕብባር መዕቆቢ ይዋሃቦም ከምዘሎ’ውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

ብመሰረት መሰኻኽር ዓይኒ ድማ ሰንበትን ሰኑይን፣ ወጻእተኛታት ዘሳፈራ ብርክት ዝበላ መካይን፣ ዶብ ሰጊረን ናብ ኢትዮጵያ ምእታወን ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG