መንነቶም ዛጊት ዘይተፈልጠ ዕጡቓት፡ ካብ ጎንደር ናብ መተማ ዝቐንዐ ቃፍላይ ብምኽታርን ኣብ ልዕሊ ተጓዓዝቲ ተዅሲ ብምኽፋትን ሞትን መቝሰልቲን ከም ዘስዓቡ ካብቲ ሓደጋ ዘምለጡ መሰኻኽር ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ብመሰረት ምስክርነት እቶም ተጓዓዝቲ፡ እቶም ዕጡቓት ብረቡዕ ንሲቪላውያን ዜጋታት ጽዒነን ዝነበራ ቃፍላይ ሚኒባስ ሓደጋ ድሕሪ ምውራዶም ብኡ ንብኡ ሓሙሽተ ካብቶም ተጓዓዝቲ ቀቲሎም። ድምጺ ኣመሪካ ካብ ክፍሊ ህጹጽ ረዲኤት ሕክምና ከተማ መተማ ብዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት ድማ ካልኦት ሸውዓተ ኣብቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝተሃርሙ ተጓዓዝቲ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ረኺቦም። ሓሙሽተ ካብቶም ሕክምና ቀዳማይ ረዲኤት ዝተገብረሎም ተጓዓዝቲ፡ ኩነታቶም ስለ ዝኸበደ ናብ ፍሉይ ሆስፒታል ጎንደር ምልኣኾም’ውን ኣካያዲ ስራሕ እቲ ህጹጽ ረዲኤት ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።
ብዛዕባ’ቲ መጥቃዕቲ ዛጊት ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የሎን። ምምሕዳር እቲ ከባቢ ኮነ እቲ ክልል’ውን ነቲ ተግባር ፈጺሞም ዝብሎም ወገናት ኣይጠቐሰን። እንተዀነ ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ብሕልፊ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ብዝተፈላለዩ ጉጅለታት ዝግበር መጥቃዕቲን ጭውያን እናገደደ ይመጽእ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ፡፡
ቅጥዒ