ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣይ.ኦ.ኤም ቁጽሪ ካብ ኲናት ሱዳን ሃዲሞም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትው ሰባት ክውስኽ ምዃኑ ይሕብር


ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ዝቐጸለ ውግእ ብመተማ ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ይኣትው ዘለው ሰባት ሎሚ’ውን ከምዘየቋረጸ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል'ቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ኤምኬ ቨራይ ንድምጺ ኣመሪካ ከምዝገለጾ፣ ዛጊት ቁጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ኢትዮጵያዊያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራት 18- ሽሕ በጺሑ አሎ።

ቁጽሪ ኣብ ዝቅጽሉ ኣዋርሕ ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትው ሰባት ናብ 130 ሽሕ ክብ ክብል ከምዝኽእል’ውን እቲ ትካል የመልክት።

ኣብ’ዘን ዝመጻ ኣዋርሕ 100-ሽሕ ኢትዮጵያዊያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ከምዝኽእሉ’ውን ተጠቂሱ'ሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ሱዳን ዝተወለዐ ግጭት ዛጊት 200-ሽሕ ሰባት ካብ’ታ ሃገር ምህዳሞም ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ (UNHCR) ሎሚ ኣፍሊጡ።

ወሃቢት ቃል’ቲ ትካል ኦልጋ ሳራዶ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣማኢት ኣሻሓት ሰባት ውሽጣዊ ተመዛበልቲ ኮይኖም አለው። ብርክት ዝበሉ ድማ ኣብ ቤቶም ተዓጽዮም መሰረታዊ ቀረባት ኣይረኽቡን ዘለው ትብል።

ስደተኛታት ዝኣትውሉ ናይ ዶብ ከባቢታት ዘሎ ሰብኣዊ ጠለብ በዳሂን ክቡርን ኮይኑ ከምዘሎ’ውን ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG