ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ መተማ ዕጡቓት ብቐዳም 8 ሓምለ 2023 ሓደ ሰብ ቀቲሎም ትሸዓተ ሰባት ከምዝጨወዩ ነበርቲ እቲ ከባቢ ሓቢሮም።
ነበርቲ ካብ ሽንፋ ናብ ቱባዋ ቀበሌ ትጓዓዝ ዝነበረት መኪና ኣብ ጉባይ ጀጀሊት ብልምዲ 'መዓስከር ፍሉይ ሓይሊ' ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ቦታ ምስ በጽሓት ዕጡቓት ንተጉዓዝቲ ብምውራድ ናብ ስድረኦም ብምድዋል ኣማኢት ኣሸሓት ብር ክኸፍሉ ይሓቱ ምህላዎም ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።
እቶም ንድምጺ ኣመሪካ ዝተዛረቡ ነበርቲ ወሲኾም ፈፀምቲ እዚ ተግባር እቶም ብምኽንያት ሰላም ናብቲ ህዝቢ ዝተመልሱ ዕጡቓት ቅማንት እዮም ይብሉ።
ካልእ ኣይተ ሲሳይ ዝተባህሉ ወሃቢ ርእይቶ ብወገኖም ካብ ክልቲኦም ወገናት ካብ ኣምሓራን ቅማንትን ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቀሱ “ሸፋቱ” ክብሉ ዝፀውዑዎም ዕጡቓት ከምዘለዉን ብተደጋጋሚ መቕተልትን መጭወይትን ከምዘጋጥም ብምግላጽ ይኹን ደኣ እምበር ሰብ-መዚ እቲ ኸባቢን ሓይሊታት ፀጥታን ጠጠው ከብልዎ ዘይምኽኣሎም ይነቕፉ።
ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኣቶ ቢክስ ወርቄ እዚ ተግባር ኣብቲ ኸባቢ ብተደጋጋሚ ከምዘጋጥም ኣሚኖም ኣብ ልዕሊ እቶም “ዕጡቃት እቲ ኸባቢ” ዝበልዎም ስጉምቲ ይውሰድ ኣሎ ኢሎም።
ቅጥዒ