ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ቤት ፍርዲ ስጳኛ: ንሊዮነል መሲ ን21 ወርሒ ማእሰርቲ ፈሪድዎ


ሓደ ቤት ፍርዲ ስጳኛ ንናይ ዓለምና ህቡብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዝኾነ ሊዮነል መሲ ንናይ 21 ወርሒ ማእሰርቲን 2 ሚልዮን ዩሮን ማለት 2.2 ሚልዮን ዶላር ምዃኑዩ ገንዘባዊመቕጻዕትን ፈሪድዎ።

ኣባል ክለብ ባርሴሎና ዝኾነ መሲ ካብ ኣታዊታቱ ንመንግስቲ ስጳኛ ክኽፈል ዝነበሮ ግብሪ ከይኸፈለ ብምትራፉዩ ሎሚ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ብይን ተዋሂቡ።

ብመሰረት ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ ካብ 2007 ክሳብ 2007 ኣብ ዝነበረ ግዜ መሲ ኮነ ኢሉ ምስ ወላዲኡ ብምምስጣር 4.2 ሚልዮን ዩሮ ንመንግስቲ ስጳኛ ኣታዊ ክኸውን ዝነበሮ ግብሪካብ ምኽፋል ሓንጊዱ ብዝብል ዝተመሰረተሉ ክሲዩ ነቲ መቕጻዕቲ ክብየነሉ ዝኸኣለ። ወላዲኡ ድማ ተመሳሳሊ ናይ 21 ወርሒ ማእሰርቲ ተፈሪዱ ከምዘሎ ብተወሳኺ ተፈሊጡ።

መሲ ን5 ዓመታት ናይ ዓለምና ዝበለጸ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ተባሂሉ ተሰይሙ ምንባሩ ይፍለጥ። ንሱ ብተወሳኺ ስሙ ኣብ መጽሔት ፎርብስ ምስ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝለዓለክፍሊት ዝረኽቡ ተባሂሉ ብተደጋጋሚ ግዜ ተረቚሑ ምንባሩ ይሕበር።

መሲ ይኹን ወላዲኡ ድሕሪቲ ብይን ናይዚ ቤት ፍርዲ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ስጳኛ ናይ ይግባይ ሕቶ ከቕርቡ ምዃኖም ብተወሳኺ ተጠቒሱ።

ቤት ፍርዲ ስጳኛ : ሊዮነል መሲ ንናይ 21ን ወርሒ ማእሰርቲን 2 ሚልዮን ዩሮን ገንዘባዊ መቕጻዕትን ፈሪድዎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:28 0:00

XS
SM
MD
LG