ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በዓል መስቀል ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸቢሩ ውዒሉ


ኣከባብራ መስቀል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን
ኣከባብራ መስቀል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን

ኣብ በበይኑ ከተማታት ኤርትራን ኢትዮጵያን በዓል መስቀል ብኽብ ዝበለን ሰለማዊ ሃዋሁን ምጽንባሉ ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ጸብጺቦም። ኣብ ኣስመራ ኣብቲ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ምእመናን፡ ዕዱማት ኣጋይሽን ሰብ-መዚ መንግስቲ ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ እቲ ጽንብል ብምዕሩግ ምሕላፉ ወኪልና ካብቲ ቦታ ልኢኹ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ደመራ ብጽቡቕ ምሕላፉ ወኪልና ካብ ኣዲስ ኣበባ ልኢኹ። ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብምኽንያት ለበዳን ኲናት ንሰለስተ ዓመታት በዂሩ ዝነበረ ጽንብል ኣብ ስታድዮም ወልዋሎ ምክያዱ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ መቕለ ሓቢሩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ በዓል ዒድ መውሊድ ኣል-ነቢ ኣብ ኣስመራ ኣብ መስጊድ ኣልኸሊፍ ኣልራሺድን ትማሊ ረቡዕ ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ መንጎ ዕዱማት ምእመናን ምሕላፉ በጺሑና ኣሎ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG