ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶ/ር መረራ ጉዲና ኣብ ኣዲሳበባ ምስ ኣተው ተኣሲሮም


ዶ/ር መረራ ጉዲና
ዶ/ር መረራ ጉዲና

ኣቦ መንበር ፈደራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ/ር መረራ ጉዲና ከምዝተኣሰሩ ፓርቶም ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን ንኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ጥሒሶም ኢሉ ከምዝኣሰሮም ገሊጹ።

ትማሊ ካብ ኣውሮጳ ናብ ኣዲሳበባ ዝኣተው ዶ/ር መረራ ጉዲና ዝተኣሰሩ ሎሚ ሓሙስ’ዩ ብመሰረት ኣባል መሪሕነት’ቲ ፓርቲ ኣቶ ጥሩነህ ገምታ።

እዚ ከም'ዚ'ሉ ከሎ፣ ኣባል ፓርላማ ኣውሮጳ ኣና ጎሜዝ ብወገነን ብዛዕባ ምእሳር ዶ/ር መረራ ጉዲና ሪኢቶአን ክህባ ከለዋ ‘ሰንቢደ’የ ግን ሕማቅ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣይገረመንን። ምኽንያቱ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ከም ዶ/ር መረራ ንዝኣምሰሉ ሓርበኛታት፣ ንዑቅ ተግባራት ናይ ምፍጻም ተኽእሎ ስለዘለዎ’ ኢለን።

ንትግባረ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ንዝከታተል ኮማንድ ፖስት ዝጠቀሰ ቴለቭዥን ኢትዮጵያ 'ዶ/ር መረራ ጉዲና ዝተኣሰሩ ብምኽንያት ምጥሓስ ኣፈጻጽማ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ከምዝኾነ' ገሊጹ’ሎ።

እቲ ኣዋጅ ‘ህውከትን ረብሻን ንምውላዕ ምብርባርን ርክብ ምፍጣርን ክልኩል’ዩ ይብል’።

XS
SM
MD
LG