ዋሽንግተን —
ሓንቲ ናይ ንግዲ መርከብ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መጥቃዕቲ ከምዘጋጠማን ናይ ርድኡኒ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈት ሓደ ትካል ሓለዋ ደሕንነት መራኽብ ሎሚ ረቡዕ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ወሲኹ እቲ መጥቃዕቲ ብኢራን ብዝድገፉ ደባይ ተዋጋእቲ ሑቲ ዝተገብረ ይመስል ይብል።
እታ መርከብ ካብታ እቶም ደባይ ተዋጋእቲ ዝቆጻጸርዋ ናይ ወደብ ከተማ ሆዲዳ ብሽነኽ ደቡብ ምዕራብ ብመዐቀኒ ርሕቀት ማያት ባሕሪ ኣስታት 68 ናቲካል ማይል ርሒቓ ምንባራ ትካል ደሕንነት መራኽብ ገሊጹ'ሎ።
ኣብ ልዕሊ እታ መርከብ ዝወረደ ጉድኣት ብዝምልከት ግን ዝርዝር ኣይሃበን።
ሑቲ ነተን ብቀይሕ ባሕሪ ዝመላለሳ መራኽብ ዘጥቅዑ ዘለዉ ምስ ፍልስጤማውያን ዘለዎም ምድንጋጽ ንምግላጽ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።
ቅጥዒ