ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወረዳ ምንጃር ዝተላዕለ ተቓውሞ ናብ ግጭት ምምርሑ ተገሊጹ


 ኣብ ወረዳ ምንጃር ዝተኻየደ ተቓውሞ
ኣብ ወረዳ ምንጃር ዝተኻየደ ተቓውሞ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ምንጃር ሸንኮራ ምምሕዳር ከተማ ኣረርቲ ን15 መዓልታት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምጥፍኡ ነበርቲ ትማሊ ረቡዕ ዘካየድዎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ናብ ግጭት ብምምራሑ ኣብ ገለ ሰልፈኛታት መቑሰልቲ፣ካብታ ከተማ ውፅእ ኢሉ ዝርከብ ፋብሪካ ምፍራይ ቺፕውድ እውን ናይ ምቅፃል ሓደጋ ከምዝወረዶን ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብቲ ሰልፊ ተደጋጋሚ ምጥፋእ መብራህቲ የጋጥም ስለዘሎ ፍታሕ ክውሃቦም ድምፆም የስምዑ ከምዝነበሩ መንነቶም ክግለፅ ዘይደለዩ ገለ ነበርቲ ሓቢሮም።

ቀረብ ሽኮርን ዘይትን ክፍታሕ፣ርትዓዊ ኣከፋፍላ ግብሪ ክህልው፣መናእሰይ ዕድል ስራሕ ክረኽቡን ዝብሉ ሕቶታት ምልዓሎም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ሓደ ነባሪ ከተማ ኣረርቲ ክልተ ሰባት ቆሲሎም ከምዝነበሩን እቲ ሓደ ከምዝሞተን ይገልፁ።እዚ ነባሪ ናይቲ ቺፕውድ ሓለውቲ ብዝተኮሱዎ ጥይት እዩ ተቐቲሉ ክብል ከሎ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ፋብሪካ ኣቶ ወጣ ግን ካባና ዝተተኮሰ ጥይት የለን ኢሎም።

ኣማሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣቶ በጋሻው ተክሉ ሰባት ኣብ ምርግጋእ ንሰርሕ ኢና ህዝቢ ንዘቕረቦ ሕቶ እውን መልሲ ክንህብ ኢና ኢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG