ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ነበር መንግስቱ ሃይለማሪያም ዓሪፎም ዝብሉ ፀብፃባት ክረጋገፁ ኣይክኣሉን


Binh sĩ Ethiopia giết 15 phần tử nổi dậy, bắt 2 nhà báo
Binh sĩ Ethiopia giết 15 phần tử nổi dậy, bắt 2 nhà báo
ገለ ናይ ዳያስፖራ መርበባት ሓበሬታ ኣብ ስደት ዙምባቤ ዝርከቡ ናይ ቀደም ውልቀ መላኺ መራሒ ኢትዮጵያ መንግስቱ ሃይለማሪያም ምዕራፎም ይፅብፅባ ኣለዋ።ቪኦኤ ንምፅራይ ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ ሓቅነት እቶም ፀብፃባት ንምርግጋፅ ኣይክኣለን።

ኮለኔል መንግስቱ ብወቕዒ ልቢ ምማቶም ብመንግስቲ ዙምባቤ እትውነን ቴለቪዥን ምፍናዋ ብምጥቓስ እዮም እቶም መርበባት ሓበሬታ ፀብፂቦም።

ናይ ዙምባቤ ኽፍሊ ቪኦኤ ቴሌቪዥን ዙምባቤ ዝፈነወቶም ፀብፃባት ንምፍታሽ እንተፈተነ’ውን ነቲ ፀብፃብ ክረኽቦ ኣይክኣለን።ቪኦኤ እንድሕር ድኣ ዓሪፎም ክፈልጡ ንዝኽእሉ ንብርክት ዝበሉ መሳርሕቲ እቶም ፕሬዝዳንት ነበር ኣዘራሪቡ ነይሩ።ምስ ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራ እቶም መራሒ ነበር ዝተራኸቡ ገለ ሰባት እቲ ዜና ሓቂ ዘይኾነ የግዳስ ካሊእ መበገሲ ዘለዎ እዩ ክብሉ ገሊፆምዎ ኣለው።

ሓበሬታ ንምርካብ እንገብሮ ፃዕሪ ክቕፅል እዩ።ክረጋገፅ ዝኽእል ሓበሬታ ኣብ እንረኽበሉ ናብኹም ክነብሎ ኢና።ዛጊድ ዝተፈነወ ሓበሬታ ግን ሓቅነት ዘይብሉ ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና።
XS
SM
MD
LG