ዋሽንግተን —
ካብ ክፍለ ግዝኣት ኒው-ጀርሲ ዝኾኑ ዲሞክራት ሰነተር ኣመሪካ ባብ መነንደዝ ነቲ ዘለዎም ዝለዓለ ስልጣን ብምስጢር ንሓደ ግብጻዊ ንምጥቃም ተጠቂሞምሉ ንዝብል ዝቀረቦም ፌደራል ክስታት መልሲ ንምሃብ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ቤት ፍርዲ ክቀርቡ እዮም።
መነንደዝ ካብቲ ግብጻዊ ነጋዳይ ጥረ-ገንዘብን ወርቂን ተቀቢሎም ብዝብል ተኸሲሶም'ለዉ። መነንደዝ ካብ ናይ ባዕሎም ዲሞክራት ፓርቲ ሓዊሱ ካብ ኣባላት ኮንግረስ ካብ መዝነቶም ክወርዱ ኣለዎም ዝብል መጸዋዕታ እናዓበየ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን ንፈለማ ጊዜ ኣብ መንሃተን ኣብ ዝርከብ ፌደራል ቤት ፍርዲ ሎሚ ክቀርቡ እዮም።
መነንደዝ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቀርቡ ዘለዉ ንዕኦም ገንዘብ ብምሃብ ዝተኸሰ ግብጻዊ ነጋዳይ ብፍቃዱ ኣብ ግብጺ ኣብ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምቅራቡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ።
ቅጥዒ