ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክሲ ብልሽውና ዝከታተል ዘሎ መነንደዝ ደጊሙ ንሰነት ከም ዘይወዳደር ገሊጹ


ንኽፍለ-ሃገረ ኒው-ጀርሲ ዝውክል ኣባል ሰነት ኣመሪካ ቦብ መነንደዝ፡ ኣብ ልዕሊኡን ስድራቤቶም ብዝካየድ ዘሎ ናይ ብልሽውና ክሲ፡ ንዝመጽእ ምርጫ ሰነት ከም ዘይወዳደር ኣፍሊጡ።

እቲ ኣባል ሰነት ምስ በዓልትቤቱን ናይ ንግዲ መሻርኽቱን ካብ በበይኖም ኣካላት ጉቦ ተቐቢሎም ዝብል ክሲ’ዩ ተመስሪቱሉ ዘሎ።

ኣብ 2018 ካብ ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ዳግም ንኽምረጽ ምሉእ ድጋፍ ዝነበሮ መነንደዝ፡ ሕጂ ግን ካብ መዝነቱ ክወርድ ይሓቱዎ ኣለዉ።

ነቲ ሰልፊ ወኪሉ ከም ዘይወዳደር ዝገለጸ ቦብ መነንደዝ፡ ከም ናጻ ተወዳዳሪ ኰይኑ ንኽሳተፍ ግን ተኽእሎ ከም ዘለዎ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG