ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ምዕራብ ሸዋ 19 ኣባላት ሚሊሻ ተቐቲሎም


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ኣባላት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ምዃኖም ዝጥርጠሩ ዕጡቓት ንኣስታት 19 ተሓባበርቲ መንግስቲ ዝኾኑ ኣባላት ሚሊሻ ቐቲሎም ካልኦት ብርክት ዝበሉ ድማ ሃለዋቶም ከም ዘይፈለጥ ነበርትን ሰበስልጣን ከባቢን ገሊፆም።

ነበርትን ኣባላት ስድራ ግዳያትን እቲ መጥቓዕቲ 17 ጥቅምቲ 2024 ከምዝተፈፀመ ሓቢሮም ኣለው። እቶም ዕላማ መጥቓዕቲ ዝኾኑ ኣባላት ሚሊሻ ኣብ ጃልዱ ወረዳ ጣቢያ ቂልበ ፀጥታ ንምሕላው ዝተልኣኹ እዮም።

ወዲ ሓደ ካብ ዝተቐተሉ ሚሊሻ ዝኾነ ኣብዲሳ ዲዳ እቶም ግዳያት ዝሓለፈ ንጉሆ ሓሙስ ብኣባላት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ መጥቓዕቲ ተፈፂሙዎም ኢሉ። ሬሳ ናይ ኣብኡ ተቐቢሉ ኣብቲ ዕለት ከም ዝቐበረ እውን ገሊፁ። ካልእ ወሃቢ ርእይቶ ያደሳ ዋሬ ዝተባህሉ ወዲ 57 ዓመት ወላዲ ኣቡኡ ከም ዝተቐተሉ ገሊፁ።

ኣብ ወረዳ ጃልዱ ቤት ፅሕፈት ሚሊሻ ዝሰርሕ ታመነ ኣቶምሳ ብዝሒ ዝሞቱ 17 ምዃኖም ብምግላፅ ሓሙሽተ ኣባላት ሚሊሻ እውን በቶም ዕጡቓት ተዓፊኖም ከም ዝተወሰዱ ገሊፁ።

ንሱ ወሲኹ ብዘይ ኣፅዋር ክዋግኡ ተላኢኾም ንዝበል ክሲ ስድራ ግዳያት ግን ነጺግዎ ኣሎ።

ኣብቲ ከባቢ ኣብ መንጎ ሓይልታት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ቀፃሊ ግጭት ምህላው ይግለፅ። ካብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ርእይቶ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG