ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህወሓት ኣብ ኣኼባ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ እንታይ በለ? ስለ ምንታይከ ንውህደት ተቓዊሙዎ?


ንልዕሊ 30 ዓመት ብግንባርነት ዝዘለቐ ገዛኢ ውድብ ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ግንባር/ኢህወዴግ/ ንኣጋር ውድባት ዝሓቖፈ ውሁድ ሃገራዊ ፓርቲ ክኸውን ፈፃሚ ራሕ ኢህወዴግ ዝሓለፈ ቀዳም 6 ሕዳር 2012 ዓ/ም ብድምፂ ኣሕሊፉዎ።ህወሓት ግን ከም ውድብ ነቲ ውህደት ነፂጉዎ’ሎ።

ቀዳም ኣብዝተኻየደ ኣኼባ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ዘሰክፍ ናይ ሰላም፣ፀጥታ፣ድሕንነትን ምምዝባል ህዝብን ዝምልከትን ኣዋርሕ ብዛዕባ ዝተረፎ ሃገራዊ ምርጫ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ይገብር ሰልዘየለ ቀዳምነት ክውሃቦም ካብዘለዎም ሰለስተ ኣጀንዳታት ህውሓት እንተቕረበ እውን ብዛዕባ ምውሃድ ፓርታት ክንዘራረብ ኣለና ዝብል ኣጀንዳ ብድምፂ ከምዝሰዓረ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ኢህወዴግ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ሕገ ደንብን ውሁድ ፓርቲ ኣብዘይቐረበሉ ኣኼባ ብምንታይ ዕላማታት ክንውሃድ ንኽእል ዝብል ሕቶ ብቕራብን ሓውን ሓሰርን ኮንኻን ናይ ዕላማ ሓድነት ከይሓዝካን ምውሃድ ዘይክኣል እዩ ብዝብል ህወሓት ኣቐዲሙ ብመሰረት ዝሓዞ መርገፂ ኩሎም ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ ኣባላት ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ከምዝተቓወምዎ ኣቶ ጌታቸው ወሲኾም ገሊፆም።

ኢህወዴግ ብኣተሓሳስባ ደረጃ ኣብ ናይ ሕድ ሕድ ዕለት ሃልኪ ፕሮፕጋንዳ ተፀሚዱ ስለዘሎ ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ኣይክኣልን፤የአለን ብወግዒ ግን ኣይፈረሰን ኢሎም ኣቶ ጌታቸው።ብዛዕባ መፃኢ ዕድል ህውሓት ዝተሓተቱ ኣቶ ጌታቸው ‘’ዕድል ህውሓት ብኣባላታ፣ብደገፍታ፣ብመራሕታን ብህዝቢ ትግራይ እዩ ዝውሰን’’ ኢሎም።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG