ኣዲስ ኣበባ —
ኣባላት ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣቶ ዮሃንስ ቧያለውን ኣቶ ክርስቲያን ታደለን ብሕማም መዓንጣ ትማሊ ሓሙስ 12 ታሕሳስ 2024 ሕክምናዊ መጥባሕቲ ምስ ተገበረሎም ኣብቲ ዕለት ካብ ሆስፒታል ናብ ቤት ማእሰርቲ ምውሳዶም ስድርኦምን ጠበቓታቶምን ገሊፆም።
እቶም ተሓከምቲ ኣብቲ ሆስፒታል ፀኒሖም ብሓካይም ክትትል ክግበረሎም ከም ዘይተፈቐደሎም ዝገለፁ ጠበቓ ሕጊ ሰሎሞን ገዛኽኝ ደም እንተድኣ ፈሲሱዎም ብህፁፅ ክምለሱ ደብዳበ ተፃሒፉ ምውፅኦም ተዛሪቦም።
ሓላፊ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ኮማንደር ኣስቻለው መኮነን ብወገኖም ኣብ ናይ ቆጸሮ መዓልቲ ናብቲ ሆስፒታል ኽኸዱ እምበር ኣብቲ ሆስፒታል ኮይኖም ክሕከሙ ካብቲ ሆስፒታል ዝቐረበ ሕቶ የለን ኢሎም።
ቅጥዒ