ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ጥዕና ዓለም ንኮቪድ-19 ዝሃቦ ግብረ መልሲ ብዝምልከት ምርመራ ዘካይድ ኮሚቴ ተጣይሹ


OMS logo
OMS logo

ውድብ ጥዕና ዓለም ንለበዳ ኮቪድ-19 ዝሃቦ ግብረመልሲ ዝምርምር በቲ ትካል ዝተመደበ ኮሚቴ ዝኾነ ይኹን ናይ ውሽጢ ሰነዳት፣ናውትን ኣድላይ ዘበሉ ናይ ኢሜይል መልእኽታትን ክረክብ ክፉት ከምዝኾነሉ ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጡ።ብኣደወንበትርነት ካብ ዝመርሓ ሓንቲ ዝኾና ናይ ላይበሪያ ፕሬዝዳንት ዝነበራ ኤሌን ጆንሰን ሰርሊፍን ናይ ኒው ዚላንድ ቀዳመይቲ ምንስቴር ዝነበራ ሄለን ክላርክን እቲ ኮሚቴ 11 ኣባላት ከምዝሓቖፈ ትማሊ ሓሙስ ንሚዲያ ኣብ ዝሃብኦ መብርሂ ኣፍሊጠን ኣለዋ።ካብ 2014 ክሳብ 2016 ኣ\ፈ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካ ኣብ ዝነበረ ለበዳ ኢቦላ ውድብ ጥዕና ዓለም ንዝሃቦ ግብረ መስሊ ብምንቃፍ ዝፍለጣ ናይ ሜዲስንስ ሳንስ ፍሮንቲየርስ መራሒት ዝነበራ ዶክተር ጆኣን ሊዩ እውን ኣባል ናይቲ ኮሚቴ እየን።

ክላርክ ንሰንን ጆንሰን ሰርሊፍን ንኣባላት ናይቲ ኮሚቴ ብነፃነት ከምዝሓረይኦምን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ምርጭአን ዝኾነ ይኹን ተፅዕኖ ከምዘይገበረን ገሊፀን።

‘’ኣብ ሓደ ወሳኒ ታሪኽ ሓቢርና ብትግሃት ንምስራሕ ድልዋት ኢና።ንቶም ብኮቪድ-19 ዝተትሓዙልዕሊ 25.6 ሚሊዮንን ዝሞቱ ሸሞንተ 850,000ም ክብሪ ክንህቦም ኣለና’’ኢለን ጆንሰን ሰርሊፍ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ናይ መጀመሪያ ደረጃ ናይቲ ለበዳ ምስ ቻይና ብምምስጣር ንክብደት ናይቲ ለበዳ ሓቢኡ ዝብል ክሲ ብዩናይትድ ስቴትስ ክሲ ምስቀረቦ መብዛሕቲአን ኣባል ሃገራት ነፃ ምርመራ ክካየድ ንዘቕረብኦ ፃውዒት እቲ ውድብ ተቐቢሉዎም።

XS
SM
MD
LG