ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ምግታእ ናብ ኣውሮጳ ዝኣትው ስደተኛታት ወፍሪ እምበር ተግባር ግብረሰናይ ኣይኮነን" ቀ/ሚ ኢጣልያ

"ምግታእ ናብ ኣውሮጳ ዝኣትው ስደተኛታት ወፍሪ እምበር ተግባር ግብረሰናይ ኣይኮነን" ቀ/ሚ ኢጣልያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:23 0:00

"ምግታእ ናብ ኣውሮጳ ዝኣትው ስደተኛታት ወፍሪ እምበር ተግባር ግብረሰናይ ኣይኮነን" ቀ/ሚ ኢጣልያ

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጅያ መሎኒ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃበኦ ናይ ዓመት መወዳእታ ጋዜጣዊ መግለጺ ምምሕዳረን ውድቀት ፖሊሲ ስደተኛታት ከምዘጋጠሞ ኣሚነን። እስራኤል ምስ ሓማስ ዘለዋ ጎንጺ ዝተፈለየ ኣገባብ ክትጥቀም እውን ኣተሓሳሲበን።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር መሎኒ ንመሻርኽተን ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ሃገራት አፍሪቃ ዝመፅእ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብተን ሃገራት ዝግበር ዘሎ ስትራቴጂካዊ ወፍሪ ምስ ሓያል ሽርክነት ተኣሳሲሩ ዝግበር ድኣምበር ተግባር ግብረ ሰናይ ከምዘይኮነ ገሊፀን።

ንሰን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሕብረት ኣውሮጳ ዝተገብረ ስምምዕ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ኣብ ኢጣልያን ካልኦት ሃገራትን ብዝተወሰነ መልክዑ ለውጢ ዘምጸአ'ኳ እንተኾነ ነቲ ቁጽሩ እንዳወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘቋርፅ ፍታሕ እዩ ግን ክበሃል ኣይኽእልን ኢለን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG