ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንመብዛሕተኦም/ኩሎም መደባት ምለንየማዊ ሸቶ ክተዕውቶም'ያ ይብሉ ቀ/ሚ መለስ ዚናዊ


Muummicha Ministeera Itiyoophiyaa
Muummicha Ministeera Itiyoophiyaa

ንሕና ኣብ ኢትዮዽያ፣ኣብ ምዕዋት ምለንየማዊ ሸቶ፣ኣብ ኩሎም ፅፍሕታት ርኡይ ምዕባለ ኣርኢና‘ለና።ምዕራፍና ብወነና ክንውስን ተዳሊ ኣለና። ስትራተጂና‘ውን ሓንፂፅና ኢና።ውሽጣዊ ዓቅምታትና ፀንቂቅና ንምዕዋት ምለንየማዊ ሸቶ ንሰርሕ ኣለና።እተን ዝተወሰና ንረኽበን ዓለም-ለኸ ሓገዛት፣ንፃዕሪታትና ንድጉመሉ‘ለና።ኩሎም ውጥናት ልምዓትና፣ምስ ምዕዋት መደባት ምለንየማዊ ምዕባለ ዝጣዓዓሙ ኮይኖም‘ለው ይብሉ እቶም ቀዳማይ ምንስቲር።

ንሶም ወሲኾም ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንርከብ ህዝብታት፣ዕላማናን ስትራተጂክናን ክንውንን ኣለና ዝብል ዘየማትእ እምነት ኣለኒ።ኣብ ምዕዋት ምለንየማዊ ሸቶ ምስ ኩነታትና ዝጣዓዓሙን ፀጋታትና ንምምዝማዝን ዘኽእል ስትራተጂ ክንትግብር ይግባእ።ሓቂ‘ዩ፣እዚ ክትዛረቦን ክትትግብሮን በበይኑ‘ዩ።ምኽንያቱ ንረኽቦ ዝነበረ ግዳማዊ ሓገዝ፣ኣብ ትሕቲ ምሕረት ለገስቲ ወገናት ስለዝወደቀ‘ውን‘ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG