ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊ ኣብ‘ዚ ቀረባ ናብ ስርሖም ከምዝምለሱ ባዓል ስልጣን ኢትዮዽያ ኣፍሊጦም


መንግስቲ ንኩነታት ቀ/ሚ መለስ ናይ ምግላፅ ግዴታ ኣለዎ ይብል ፓርቲ ኣንድነት

ብጠንቂ ዘጓነፎም ፀገም ጥዕና፣ንዝሓለፉ ኣስታት ዕስራ መዓልታት ካብ ዓይኒ ሚድያታት ተኸዊሎም ዘለው ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ፣ኣብ‘ዚ ቀረባ ናብ ስርሖም ከምዝምለሱ ባዓል ስልጣን ምንስትር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣፍሊጦም።ብዝተኣሳሰረ ዜና፣መንግስቲ ኢትዮዽያ ንኩነታት ቀ/ሚ መለስ ንህዝቢ ናይ ምግላፅ ግዴታ ኣለዎ ይብል ፓርቲ ኣንድነት።



ሎሚ ሪኢቶ ዝሃቡና ዳይረክተር ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮዽያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ”ኣቶ መለስ መጠነኛ ፀገም ጥዕና ኣጓኒፍዎም ነይሩ።ከምኡውን ናይ ስራሕ ፃዕቂ ስለዝፀንሖም፣ተገዲዶም ዕረፍቲ ክወፁ ከምዝተገብረን፣ኣብ‘ዚ ቀረባ ናብ መኣዲ ስራሖም ከምዝምለሱን፣ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኣብ ዘተኣማማን ኩነታት ጥዕና ከምዝርከቡን” ገሊፆምልና።

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ እንታይ ዓይነት ሕማም ኣጓኒፍዎም? ኣበይ‘ከ ይሕከሙ ኣለው? ተባሂሎም ዝተሓተቱ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካብ ምምላስ ተቆጢቦም።

መርበብ ዜና ተቃወምቲ ኢትዮዽያ ግና፣ኣቶ መለስ ዜናዊ ኣብ ሃገረ ቤልጅየም ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ ኢሎም ፀብፂቦም‘ዮም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ፓርቲ ኣንድነት ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፣ብመሰረት ዝተካየደ ክፍለ-ጊዜ ሕቶን መልስን፣ብዛዕባ ንቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ዝምልከት ዝቀረበ ሕቶ ሪኢቶኦም ዝሃቡ፣ኣባላት ኣመራርሓ ኣንድነት፣ኩነታት ጥዕና ኣቶ መለስ ከምዘጨነቆምን፣ከምኩሉ ኢትዮዽያዊ ድማ ነቲ ምዕባለ ዘይፈልጡ ከምዝኾኑ ጠቂሶም።

ዶ/ር ሃይሉ ኣርኣያ ”ኩነታት ቀ/ሚ ንኩልና የጭንቀና‘ዩ።እዚ መንግስቲ‘ዚ፣ ገባሪ ሓዳጊ ባዕለይ‘የ ኢሉ ዓፊኑ ሒዙ፣ንናይ‘ዛ ሃገር‘ዚኣ መፃኢ ዕድል፣ኣብ ኢድ ሓደ ፓርቲ፣ ሓደ ውድብ‘ዩ ኣትዩ ዝርከብ።ከምኡ ክኸውን ኣይነበሮን።ፀገም ክፈጥር ይኽእል‘ዩ።ክፍተት ክፈጥር ይኽእል‘ዩ።እቲ ክፍተት ስልጣን ድማ፣ነዛ ሃገር ዘይተፀበናዮ ፀገም ከእትዋ ይኽእል‘ዩ።እዚ ንከይኸውን ንፅሊ ኣለና።ዘጨንቅ ጉዳይ‘ዩ” ኢሎም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ባዓልቲ ቤት ኣቶ መለስ ዜናዊ፣ወ/ሮ ኣዜብ መስፍን ትማሊ ኣብ ኣኼባ ፓርላማ ኢትዮዽያን ኣብ ንጉዳይ ኤይድስ ዝመኸረ ኣህጉራዊ ኣኼባ ቀዳሞት ወይዘራዝርቲ ኣፍሪቃ ከምዝተሳተፋ መንግስታዊ ሚድያታት ኢትዮዽያ ፀብፂበን‘ለዋ።

XS
SM
MD
LG