ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ንጉዳይ ዶብን መንግስቲ ኤርትራን ኣመልኪቶም ዝሃብዎ መግለፂ ንገለ ኢትዮጵያዊያን የካትዕ


ቀ/ሚ መለስ ዚናዊ
ቀ/ሚ መለስ ዚናዊ

ንመንግስቲ ኤርትራ ምቅያር ዋኒን ህዝቢ ኢርትራ'ዩ ይብሉ

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ንህልዊ ኩነታት ኢትዮዽያን ኤርትራን ኣብ ዝዳህሰሰ ዳሕረዋይ ቃለ-ምልልሶም ምስ ሬድዮ ኣሰና፣ምስሕሓብ ዶብን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮዽያ ይትግብሮ ኣሎ ንዝበልዎ ፖሊሲ ከመይ ክፈታሕ ከምዝግባእ ኣንፈት ነፂሮም‘ዮም።ኣብ‘ቲ ቃለ-ምልልስ ተመርኲስና ንክልተ ኢትዮዽያዊያን ኣዘራሪብና‘ለና።በትረ ስልጣን ንዶ/ር ቴድሮስ ገብሩን ንኣቶ ኣሸብር ገብሩን ዓዲምዎም‘ሎ።

ዶ/ር ተድሮስ ገብሩ ቃለ-ምልልስ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ መቀፀልታ ዝሓለፈ ፖሊሲ ምምሕዳሮም'ምበር ሓድሽ ነገር ኣይብሉን ክብል ከሎ ኣቶ ኣሸብር ገብሩ ብወገኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ናብ ከምዚ ዝዓይነቱ ለውጢ ዝኣተወ ስለምንታይ ምኻኑ ኣቀዲሙ ክፍለጥ ኣለዎ ይብል።

ክልቲኦም ኣጋይሽ ንመንግስቲ ኤርትራ ብኢትዮጵያ ምቅያር ግና ቅቡል ኣይኮነን።ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዋኒን ክኸውን ይግባእ ኢሎም።

ነቲ ቃል-ምልልስ ኣብ ናይ ሰሉስ መደብና'ውን ክትሰምዑዎ ትኽእሉ ኢኹም

XS
SM
MD
LG