ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብፂ ንእትኽተሎም ፍሉጣት ሰለስተ ስትራተጂታት ንምፍሻል ምድላው ኣድላይ እዩ-ቀ/ሚ መለስ


Meles Zenawi
Meles Zenawi

ኣብዚ ሰሙን ሽብርን ዓመፅን ብምውዳድ እናተኣለመ ኣብዘሎ ውዲት ዝሳተፍ ኩሉ ሰብ ዋጋ ክኸፍል እዩ ኢሎም ኣጠንቂቆም

ግብፂ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ክትፍንዎ ካብ ትኽእል ቀጥታዊ ወታደራዊ ወራር ብዝበለፀ ‘’ብነጭለባሽ’’ ክተብፅሖ ዝኽእል ሓደጋ ዝበለፀ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ገሊፆም።ኣብዚ ሰሙን ሽበራን ዓመፅን ብምውዳድ ውዲት እናትኣለመ’ዩ ዝበሉ እቶም ቀ/ሚ ኩሎም ተሳተፍቲ’ቲ ክላዓል ዝኽእል ህውከት ዋጋ ክከፍሉሉ'ዮም ኢሎም።

ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ነዚ ዝገለፁ ሎሚ ሰሉስ ናይ መንግስቶም ናይ ሸሞንተ ኣዋርሕ ናይ ስራሕ ፀብፃብ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብዘቕረብሉ እዋን እዩ።ድሕሪ እቲ ሪፖርት ሒደት ሕቶታት ቀሪቦም ነይሮም።

ኣቶ መለስ ደጋጊሞም ከምዝበልዎ መንግስታት ግብፂ ንዝስዕቦም ፍሉጣት ሰለስተ ስትራተጂታት ንምፍሻል ምድላው ኣድላይ እዩ።
እቲ ቀዳማይ ስትራተጂ ገዚፍ ሰራዊት ብምቕማጥ ምፍርራሕ እዩ።ነዚ ብዝምልከት ክንኽተሎ ዝግባእ ስትራተጂ ድማ ዘይምፍራሕ እዩ።ዘይምፍራሕ ክብሃል እንተሎ ፈኸራ ምድርዳር ምድቃስ ከይኮነስ ብጭቡጥ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ክፍፀም ዝኽእል ወራር ክሳብ ክንደይ እዩ ኢልካ ሳይንሳዊ ብዝኾነ መንገዲ ምፍታሽ ማለት እዩ ኢሎም።

እቲ ካልኣይን ቀንድን ሓደጋ ግብፃዊያን ብቐጥታ ብዝፍፅምዎ ወራር ከይኮነስ "ብነጭለባሻት" ዝፍፅምዎ ሓደጋ እዩ።ንሱ እዩ እቲ ዝዓበየ ሓደጋ።እዚ ዓይነት ሓደጋ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ እዩ ሕዚ’ውን ብሰፊሑ ይደፍኡሉ ኣለው።ንነገሩ ናይ ግብፂ መምርሒ ከይተውሃቦም እውን መንግስቲ ኤርትራ ሓዊሱ ብናይ ባዕሎም ተበግሶ ክሰርሑ ዝኽእሉ ነጭለባሻት ኣለው ይብሉ።

እቲ ሳልሳይ ናይ ግብፂ ስትራተጂ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ዲጋ ከይትሃንፅ ናይ ወፃኢ ናይ ገንዘብ ልቓሕን ሓገዝን ምኽልካል ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣቶ መለስ እዚ’ውን ዘይክኣል ምዃኑ ንምርኣይ ኢትዮጵያ ብዘይዝኾነ ይኹን ሓገዝ ባዕላ ንምህናፅ ምውሳና ኣረዲኦም።

ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ "ንኣባላት መድረኽ ብፍላይ ድማ ንኣባላት ሓድነት ሓደ መልእኽቲ ከሕልፍ እደሊ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ምርኣይን ምስማዕን ዝኣበዮ መንግስቲ ኣይኮነን።ምርኣይን ምስማዕን ዝኽእል መንግስቲ እዩ።ኣብዚ ሰሙን ሽብርን ዓመፅን ብምውዳድ እናተኣለመ ኣብዘሎ ውዲት ዝሳተፍ ኩሉ ሰብ ዋጋ ክኸፍል እዩ" ኢሎም ኣጠንቂቆም።

ፀብፃብ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብ ኢኮኖሚ ንግድን ጉዳይ ግብርን ካልኦት ጉዳያትን ዘጠቓለሉ እንትኸውን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝወፀ ሓድሽ ፖሊሲ ከም ናይ ቀደም ንመጥቓዕቲ ምክልኻል ጥራሕ ከይኮነስ ዓለም ለኸ ሕጊ መሰረት ብምግባር ተመሳሳሊ ናይ መልሰ ግብሪ ስጉምቲታት ምውሳድ ከምዝኸውን ኣቶ መለስ ኣረጋጊፆም። 

XS
SM
MD
LG