ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ብጠንቂ ሕማም ኣብ ዋዕላ ኣፍሪቃ ከምዘይተሳተፉ ተሓቢሩ


ኣብ‘ዚ ቀረባ ናብ ስራሕ ክምለሱ‘ዮም ኢሎም ምክትሎም

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ንፈለማ ጊዜ ዘይተሳተፉሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ዘሎ ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ሎሚ ምሸት ክዛዘም‘ዩ።ኣቶ መለስ ኣብ‘ቲ ኣኼባ ዘይተሳተፉ ስለዝሓመሙ ምኻኑ‘ውን ምክትሎም ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ሓቢሮም።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ ዓመት ክልተ ኣኼባታት ክተታኣናግድ ከላ፣ሓዲኡ ኣኼባ ቀንዲ ቤት ፅሕፈት ዝርከበላ ኢትዮዽያ‘ያ ተታኣናግድ። ሎም-ዘበን ግና ክልቲኡ ኣኼባ ኣብ ኢትዮዽያ‘ዩ ተካይዱ።

ኩሎም መደረ ዘስምዑ ሰበ-ስልጣን ብስሞም ዝጠቀስዎም፣ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ግና ኣብ‘ቲ መአከቢ ኣዳራሽ ኣይነበሩን።ንዐኦም ተኪኦም ዝተረኽቡ ም/ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ‘ዮም።ኣብጎኖም ዝነበሩ፣ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ እኹል ተመክሮ ዘለዎም፣ኣብ ሕ/መ ኣምባሳደር ኢትዮዽያ ዶ/ር ተቀዳ ኣለሙ‘ዮም።

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ኣብ‘ቲ ዋዕላ ዘይተሳተፉ ስለዝሓመሙ ምኻኑ ምክትል ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ንብሉምበርግ ኒውስ ገሊፆም‘ለው።ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝተመደበ ኣቀባሊ ብሉምበርግ ቃለ-ምልልስ ዝገበሩ ኣቶ ሃይለማርያም፣
ኣቶ መለስ ስለዝሓመሙ ካብ‘ቲ ኣኼባ ከምዝተረፉ፣ብርቱዕ ሕማም ኣጓኒፍዎም‘ሎ ንዝብል ወረ ግና ነፂጎምዎ‘ዮም።

ኣቶ ሃይለማርያም”ቀ/ሚ መለስ፣ቅልል ዝበለ ሕማም ኣጋጢምዎም‘ሎ።ከም ኩሉ ወዲ ኣዳም፣ሕክምናዊ ክንክን ምስ ረኸቡ፣ኣብ‘ዚ ቀረባ ናብ ስራሕ ክምለሱ‘ዮም” ኢሎም።

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ፣ንዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘይተሳተፉ ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ዕስራ ዓመታት ንፈለማ ጊዜ ምኻኑ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ይገልፁ። ብዛዕባ‘ዚ ጉዳይ ዝጠቀሱ ፕረዚደንት ቤኒን ቡኒ ያዪ ”ናይ ኣቶ መለስ ኣብ‘ቲ ኣኼባ ዘይርካብ ዘይንቡር” ኢሎም ገሊፆምዎ።

ቀ/ሚ ኢትዮዽያ ኣቶ መለስ ዜናዊ፣ካብ ንቡር ወፃኢ ኣብ‘ዚ ኣኼባ ዘይምስታፎም ግልፂ‘ዩ ዝኾነልካ።ምኽንያቱ ኣቶ መለስ፣ኣብ ኣኼባታት ንቁሕ ተሳትፎ ዝገብሩን፣ብቅዓት ኣመራርሓ ስለዘለዎምን‘ዩ።ኣብ ኣፍሪቃ፣ ንዘለዎም ግደ መሪሕነት፣ከምንንእድ ደጊመ ክነግሮም ይደልይ” ኢሎም።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ኣቶ መለስ ዜናዊ፣ኣብ‘ቲ ቅድሚ ትማሊ ዝተሳለጠ ኣኼባ ኔፓድ (ሓድሽ ሽርክና ንምዕባለ ኣፍሪቃ) እውን ኣይተረኸቡን።ቀ/ሚ መለስ ኣቦ-መንበር ኔፓድ ምኻኖም ዝዝከር‘ዩ።ንኣኼባ ኔፓድ ዝመርሑ ምክትሎምን ናይ ሴኔጋል ፕረዚደንትን ማኪ ሳል‘ዮም።

XS
SM
MD
LG