ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ መለስ ዚናዊ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኮሎምብያ ንኩናታት ኢትዮጵይያ ንምፍላጥ ንዘርአይዎ ተገዳስነት ንኢዶም


ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምብያ
ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምብያ

ካብ ሞንጎ'ቶም ዝቀረቡ ሕቶታት ተማሃሮ፣ቀዳማይ ምንስትር መለስ ገለ ሚድያታት ክገልፁኹም ከለው፣ዲክታተር/ውልቀ መላኺ እናበሉ ይፅውዕኩም።እሞ ኣብ ስልጣንኩም ኣብ ዝፀናሕኩምሉ ጊዜ፣ገለ ዘጣዕስ ነገር ፈፂመ‘የ ዝብል ጥርጣረ‘ዶ ኣለኩም? ዝብል‘ዩ ኣቅሪብሎም ኣቶ መለስ ክምልሱ ከለው
"ፈፂመ ኣይጣዓስን።ብታሪኸይን ታሪኽ ውድበይን ሕቡን‘የ።ኣብ ኢትዮዽያ ንምዕዋት ውድበይ፣ክንዲ‘ታ ዓቅመይ ዘፍቀደትለይ ኣበርክቶ ገይረ‘የ ዝብል እምነት ኣለኒ።ኣብ ምቅባፅ እቲ ጨካን ስርዓትን ኣብ ህንፀት ሓዲሽ መሰረትን ዝገበርኩዎ ኣስተዋፅኦ ኣለኒ" ኢልም።

ኣቶ መለስ ዜናዊ ርክብ ኢትዮዽያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝምልከት ምስ መንግስታት ደቡብን ሰሜንን ሱዳን ፅቡቅ ርክብ ካብ ሞንጎ ዘለዎም ሒደት ሃገራት ኢትዮዽያ ሓንቲ ምኻና፣ምስ ኬንያን ጂቡቲን‘ውን ዝናኣድ ዝምድና‘ዩ ዘለና፣ምስ መንግስቲ ሶማልያ‘ውን ፅቡቅ ርክብ ኣለና።ምስ ኣል-ሸባብ ግና ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ ስለዝኾነ ኣዝዩ ሕማቅ ርክብ‘ዩ ዘለና ኢሎም።

ምስ ኣል-ሸባብ ሕማቅ ርክብ ክህልወና ርዱእ‘ዩ።ምኽንያቱ ምስ ኣል-ቃይዳ ምትእስሳር ዘለዎ ጉጅለ ፈጠራ-ራዕዲ ስለዝኾነ።ኣብ‘ቲ ዞባ ንኣል-ሸባብ ትድግፍ እንኮ ሃገር ኤርትራ ጥራሕ‘ያ።ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ነቲ ምስ ኣል-ቃይዳ ርክብ ዘለዎ ኣል-ሸባብ ትድግፍ‘ያ ኢሉ ማዕቀብ ኣንቢሩላ‘ሎ።ሕብረት ኣፍሪቃን ቤት ምኽሪ ፀጥታን፣ኤርትራ ክትቅፃዕ ኣለዋ ዝብል እምነት ኣለዎም።ሓደ ነገር ከዘኻኽር ዝደልዮ፣ መንግስቲ ኢትዮዽያ ድሕሪ ረፈረንደም ንናፅነት ኤርትራ ኣቀዲሙ ኣፍልጦ ዝሃበ መንግስቲ ምኻኑ‘ዩ።ብጠንቂ‘ዚ ገለ ኢትዮዽያውያን ንመንግስቲ ኢትዮዽያ ዝፀልእዎ በዚ ምኽንያት‘ዚ‘ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG