ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋህዮ ኣል-ቃይዳ ንፈለማ ጊዜ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተኸሰተ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ገሊፆም


መንግስቶም ጊዜ ከምዘይህቦ'ውን ሓቢሮም

ንሕገ-መንግስቲ ዝፃረር ሃይማኖታዊ ፅንፈኛነት ሱር ከይሓዘ ክማሓው‘ዩ ዝግባእ ዝበሉ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ፣ኣብ ኢትዮዽያ ንፈለማ ጊዜ ዋህዮ ኣል-ቃይዳ ከምዝተረኸበ ጠቂሶም።

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ሎሚ መግለፂ ዝሃቡ፣ካብ ኣባላት ፓርላማ ንዝቀረበሎም ሕቶታት መብርሂ ኣብ ዝሃብሉ እዋን‘ዩ።መንግስቲን ሃይማኖትን ዝተፈላለዩ‘ዮም ኢሎም።ኣብ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ይኽሰቱ ኣለው ንዝበልዎም ኣብነታት‘ውን ጠቂሶም።

ኣቶ መለስ ”ኣብ እዋን ጥምቀት ካብ ዝተራኣዩ ጭርሖታት ሓደ፣ሓንቲ ሃገርን ሓደ ሃይማኖትን ዝብል‘ዩ።ሓደ ሃይማኖትን ሓንቲ ሃገርን ዝብል ሕገ-መንግስቲ የብልናን።ሕገ-መንግስቲ ሓንቲ ሃገር ግን ክንዲ ዘድለየ በዝሒ ሃይማኖት ዘለዋ‘ዩ ዝብል።ስለዚ ክርስትያናዊ መንግስቲ ንክህሉን፣ንሕገ-መንግስቲ ንክሽርሸርን ዝደልዩ ኣዝዮም ሒደት ሰባት ከምዘለው ዝሕብር‘ዩ” ኢሎም።

ኣብ ኢትዮዽያ ነዊሕ ዕድመ ዘቁፀረ ዓይነት እስልምና ሱፊ‘ዩ ዝበሉ እቶም ቀ/ሚ፣ኣባላት‘ቲ እምነት ምስ ክርስትያናት ተኻኣኢሎም ብሓባር ዝነበሩ‘ዮም
ገለ ኣባላት ድሒሩ ዝመፀ ሰለፊ ግና ስግር ምክእኣል‘ዮም ኢሎም።

ናይ‘ዞም ፅንፈኛታት ዝተባሃሉ ኣመንቲ ሙስሊም ሰለፊ ስራሕ ንሓቢርካ ምፅናሕ ክርስትያናትን ሙስሊማትን ምብፅባፅ ምኻኑ ካብ‘ቶም ዝተጋህዱ ምልክታት ምርግጋፅ ይካኣል፣ስለዚ ከይሳዕረረ ክምንቆስ ኣለዎ ኢሎም ኣቶ መለስ ዜናዊ።

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣመልኪቱ ንዝቀረበሎም ሕቶ መልሲ ሂቦም‘ለው።ፅባሕ ረቡዕ ክነቅርበልኩም ኢና።

XS
SM
MD
LG