ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቶ መለስ ውዲት ይኣልም ኣሎ ዝበልዎ ፓርቲ ሓድነት ኣይተሳተፍኹን ኢሉ


ፕሬዝዳንት ነበር ኢትዮጵያ ሕዚ ድማ ምኽትል ኣቦመንበር ሓድነት ንዴሞክራስን ፍትሕን ዝኾኑ ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምክያድ ኣብዝግበር ትልሚ ፓርቶም ከምዘይተሳተፈ ገሊፆም።ዶ/ር ነጋሶ ንተቓዋሚ ከምኡ’ውን ንጎረባብቲ ኢትዮጵያ ብምንክልባትን ብምውራድን ንህዝባዊ ተቓውሞ ንምዕፋን ይፍትኑ ከምዘልው ንኣቶ መለስ ኸሲሰምዎም ኣለው።

ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ መንግስቶም ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ወይ’ውን ሽበራዊ መጥቓዕትታት ንምክያድ ውዲት ዝፍፅም ንዝኾነ ይኹን ሰብ ከምዘይፃወርዎ ኣጠንቂቖም።ምኽትል ኣቦ መንበር ፓርቲ ሓድነትን ፍትሕን ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ብወገኖም ፓርቶም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምክያድ ከምዘይወጠነ ብምግላፅ ህዝባዊ ተቓውሞ ብምዕፋን ንኣቶ መለስ ይኸሱ።

ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ትማሊ ሰሉስ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብዘስምዕዎ መደረ ንኣባላት መድረኽ ብፍላይ ድማ ንኣባላት ሓድነት ኣጠንቂቖም ነይሮም።ንሶም መንግስቲ ኢትዮጵያ ምርኣይን ምስማዕን ዝኽእል መንግስቲ ምዃኑ ብምግላፅ ኣብዚ ሰሙ ሽብርን ዓመፅን ንምክያድ ይእለም ኣብ ዘሎ ውዲት ዝሳተፉ ኩሎም ዋጋ ክኸፍሉ እዮም ኢሎም።

ኣቶ መለስ እቲ ውዲት እንታይ ከምዘጠቓልል ዝርዝር ኣይሃቡን።እንተኾነ ግን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ መርበብ ሓበሬታ ፌስቡክ ኣቶ መለስ ዝመርሕዎ ኢህወደግ ስልጣን ኣብ ዝሓዘሉ ዝቕፅል ወርሒ 20 ጉንበት ዓብይ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምክያድ ወፍሪ እናተኻየደ እዩ።

ፕሬዝዳንት ነበር ኢትዮጵያ ሕዚ ድማ ምኽትል ኣቦመንበር ሓድነት ንዴሞክራስን ፍትሕን ዝኾኑ ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምክያድ ኣብዝግበር ትልሚ ፓርቶም ከምዘይተሳተፈ ገሊፆም።ዶ/ር ነጋሶ ንተቓዋሚ ከምኡ’ውን ንጎረባብቲ ኢትዮጵያ ብምንክልባትን ብምውራድን ንህዝባዊ ተቓውሞ ንምዕፋን ይፍትኑ ከምዘልው ንኣቶ መለስ ኸሲሰምዎም ኣለው።

ንሶም ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት መለዓዐሊ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ሽብርን ብፍላይ ድማ ኣብ ምብርባር ሽብር ዝሓለፈ ሰሙን ይኹን ኣብዚ ሰሙን እዚ ወይ’ውን ንቕድሚት ኣይተሳተፍናን ኣይክንሳተፍን እውን ኢሎም።ዘረባ ኣቶ መለስ ንዓና ኣይምልከተናን ዝበሉ ዶ/ር ነጋሶ መንግስቲ ኣቶ መለስ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ተቓዋሚ ፓርቲ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ዝገብሮ ዘሎ ምድላው ከም ሰበብ ዝቐርብ ዘሎ ሓደጋ ጥራሕ እዩ ኢሎም።

ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ንኣባላት ፓርላማ ኣብዘስምዕዎ መደረ ህውከት ኣብምልዕዓል ንካልኦት ክልተ ናይቲ ከባቢ ሃገራት ኸሲሶም ኣለው።ኤርትራ ንግንባር ሓርነት ኦሮሞ ትድግፍ ኣላ ክብሉ ብምኽሳስ ንሕና’ውን ነቶም ንፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንምዕላው ዝፅዕሩ ተቓወምቲ ኤርትራ ንምድጋፍ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

XS
SM
MD
LG