ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምንስቲር ወፃኢ ኣሜርካ ሂለርይ ክሊንተን ምስ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ተዘራሪበን


Hillary Clinton
Hillary Clinton

ዞባዊ ሰላምን ፀጥታን ቀንዲ ትኹረተን ነይሩ

ቀ/ሚ መለስ ዜናዊን ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ሂለርይ ክልንተንን ብዛዕባ ዴሞክራሲ ኢትዮዽያ ዝካየድ ምይይጥ፣ኣብ ሕቁፊ‘ቲ ክልቲኤን ሃገራት ዘሳልጠኦ ልዝብ ካልኦት ኣጀንዳታት ንክጠቃለል ተሰማሚዖም።

ኣብ ኢትዮዽያ ናይ ክልተ መዓልቲ መገሻ ንምፍፃም ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዋ ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ሂለርይ ክልንተን፣ብጠንቂ‘ቲ ኣብ ኤርትራ ዝነተጎ እሳተ-ጎመራ ዝፈጠሮ ዶሮና ዑደተን ኣቋሪፀን ትማሊ ምሸት ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፂኤን‘የን።ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪቃ መደረ ድሕሪ ምስማዕ ምስ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ዝተራኸባ ሂለርይ ክልንተን፣ጋዜጣዊ መግለፂ ስለዘይሃባ፣ካብአን ብቀጥታ ዝተሰምዐ ነገር የለን።

ወሃቢ-ቃል ምንስትር ወፃኢ ኢትዮዽያ ግና፣ኣቶ መለስን ወ/ሮ ሂለርይ ክልንተንን ንዞባዊን ኣህጉራዊን ፀጥታዊ ኩነታት ከምዝተዘራረቡ ሓቢሮም። ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፣ኩነታት ዴሞክራሲ ኣይተላዕለን፣ኣብ ክንድኡ ክልቲኤን ሃገራት ብቀፃልነት ኣብ ዝዘራረብሉ ኣጀንዳታት ክሕቆፍ ናብ ምርድዳእ ተበፂሑ‘ሎ ኢሎም።

ትፅቢት መንግስቲን ተቃወምቲን ኢትዮዽያ፣ካብ መገሻ ወ/ሮ ሂለርይ ክልተን ዝተፈላለየ‘ዩ።ብመፅንፅር ሰብኣዊ መሰላትን ዴሞክራስን ብርክት ዝበሉ ፀገማት ኣለው ዝብሉ ተቃወምቲ፣እተን ምንስትር ወፃኢ ፀቅጢ ንክገብራ ትምኒቶም‘ዩ ነይሩ።ቅድሚ‘ቲ መገሻ ሂለርይ ክልንተን ሪኢቶኦም ንቪኦኤ ዝሃቡ ኣባል ኣመራርሓ መድረክ ዶ/ር መራራ ጉድና፣እተን ምንስትር ወፃኢ ምስ ሓደ ወገን ጥራሕ ክራኸባ ግቡእ ኣይኮነን ከምዝበሉ ዝዝከር‘ዩ።

መድረክ ክላዓለሎም ዝደለዮም ነጥብታት ናብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ከምዝላኣኸ ሓቢሩ‘ዩ።እቲ መልእኽቲ ናብ‘ተን ምንስትር ወፃኢ በፂሑ እንተኾይኑ ግና ንምርግጋፅ ኣይተኻኣለን።

ብጠንቂ እሳተ-ጎመራ ዝፈጠሮ ዶሮና መገሸአን ሃንደበት ዘቋረፃ ሂለርይ ክልንተን፣ካልእ መዓልቲ ናብ ኢትዮዽያ ተመሊሰን ነቲ መርሃ-ግብሪ ከምዝፍፅማ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣፍልጡ‘ሎ።

XS
SM
MD
LG