ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሌጅ ሕክምና እንስሳ መቐለ ኣብ ምምሕያሽ ዓሌት ኣባጊዕ ይሰርሕ'ሎ


ሓላፊ እቲ ኮሌጅ ዶክተር በሪሁ ገብረኪዳን እቲ ኮሌጅ ዝተመሓየሸ ዓሌት ኣባጊዕ ንምርካብ ኣብ መንጐ ካብ ሑመራ፣ኣፅበ ደራን ዓፋርን ዝተረኸባ ኣባጊዕ የዳቕል ምህላዉ ይገልፁ።

ብተወሳኺ ኣላሕም ቅልጥፍ ኢለን ንኽወልዳ ዝሕግዝ ድሌት ስርያ ኣላሕም ዝውስኽ ሜላ ብምጥቃም ኣብ ምርባሕ፣ኣብ ትግራይ ዝረአዩ ሕማማት እንስሳ ኣነፂርካ ኣብ ምፅናዕ'ውን እቲ ኮሌጅ ይነጥፍ ምህላዉ ኣረዲኦም።

ልዕሊ 40 ሽሕ ደርሁ ንምርባሕ ዝሕግዝ ማእኸል መጫጭሒ ደርሁ ይህነፅ'ሎ፤ ውፅኢቱ ድማ ናብ ሕብረተሰብ ንምቕራብ ዝዓለመ እዩ ኢሎም ዶክተር በሪሁ።

ኣብቲ ኮሌጅ ን33 ደቂ ሶማልን ሶማሊ ላንድን ሓዊሱ 500 ተማሃሮ ይመሃሩ ምህላዎም ድማ ሓላፊ እቲ ኮሌጅ ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ኮሌጅ ሕክምና እንስሳ መቐለ ኣብ ምምሕያሽ ዓሌት ኣባጊዕ ይሰርሕ'ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:17 0:00

XS
SM
MD
LG