ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓገዝቲ መምህራን ዩኒቨርሲቲ መቐለ መሰል ዕብየት ስራሕ ተኸሊእና ብምባል ይጠርዑ


ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዝሰርሑ 105 ሓገዝቲ መምሃራን መሰል ዕብየት ስራሕን ሕጊ ዝፈቕዶ ረብሓን ተኸሊእና ክብሉ ይጠርዑ።

እቶም መምህራን ጥርዓኖም ብሕጋዊ ወከልቶም ኣቢሎም ናብቲ ዩኒቨርሲቲ፣ ናብ ቤት ጽሕፈት ቦርድ እቲ ዩኒቨርሲቲን ናብ ሚኒስትሪ ትምህርትን ከምዘቕረቡ'ውን ገሊፆም።

ሓገዝቲ መምሃራን ተኽለብርሃን ሃይሉን ሄኖክ መዝገበን ንድምፂ ኣመሪካ ሓሳቦም ሂቦም ኣለዉ።

ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብወገኑ ትምህርታዊ ዕብየት ብቕዓት መሰረት ገይሩ ከምዝፍፀም ይገልፅ፤ እቲ ዝሓትዎ ዘለዉ ተወሳኺ ረብሓን ግና ብሕጊ ተኣጊዱ እዩ ይብል።

ምክትል ፕሬዚደንት ኣካዳሚክ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶክተር ዓብደልቃድር ከድር ኣብ ኣፈፃፅማ ሕጊ ክፍተት እንተሃልዩ ንዘዝምልከቶም ኣካላት ክንሓትትን ብሓባር ክንዘራረበሉን ንኽእል ኢና ኢሎም።

እቲ ሕቶ ብሓገዝቲ መምሃራን ዩኒቨርሲቲ ባህር ዳር እውን ከምዝተልዓለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ'ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ሓገዝቲ መምህራን ዩኒቨርሲቲ መቐለ መሰል ዕብየት ስራሕ ተኸሊእና ብምባል ይጠርዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:49 0:00

XS
SM
MD
LG