ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኪሮስ ኣለማየሁን ቦብ ጌልዶፍን ተሸለምቲ ክብራዊ ዶክትረት ዲግሪ


ቦብ ጌልዶፍ
ቦብ ጌልዶፍ

ላዕለዋይ ኣመራርሓ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ንከያኒ ኪሮስ ኣለማየሁ፣ ንሰር ቦብ ጌልዶፍ ከምኡ እውን ንሰብ ሓዳር ካትሪን ሮቢንሰንን ማክስ ሮቢንሰንን ልዑል ማዕርግ ዶክትሬት ከምዝሃበ ኣፍሊጡ’ሎ።

እቲ ጽምብል ኣወሃህባ ማዕርግ ሰነ 27 ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ኣብ ዝካየድ ስነ ስርዓት ምረቓ ተምሃሮ እቲ ዩኒቨርሲቲ ክፍፀም እዩ።

ኪሮስ ኣለማየሁ ንዕብየት ኪነት ትግራይ ብተግባር ንዘመዝገቦ ስራሕ ክብሪ ምሃብ ይግበኦ እዩ፤ በዚ ድማ ስድርኡ ተሓጕስና ኣለና ይብል ሓደ ካብቶም ደቁ ሚልዮን ኪሮስ።

ኪሮስ ንጥበብ ትግራይ ዘበርከቶ ሽሻይ ኪነትን ዘሕለፎም ፀገማትን ዘዘንትው መጽሓፍ ኣብ ቀረባ እዋን ፅሒፉ ንሕትመትን ንባብን ዘብቀዐ መንእሰይ ጸሓፊ ሰለሞን ገብረእግዝኣብሔር ብወገኑ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሐዚ ዝሃቦ ክብሪ ፅቡቕ እዩ፤ ኰይኑ ግና ደንጕዩ እዩ ዝብል ርእይቶ ኣለዎ።

ካትሪን ሮቢንሰንን ማክስ ሮቢንሰንን በቲ ዝተወሃበና ማዕርግ ልዑል ኩርዓት ይስመዐና እቲ ክብሪ ድማ ንበይትና እንተይኮነስ ንኹሎም ሓገዝትናን መሳርሕትናን እውን ዝግባእ እዩ ብምባል ተዛሪቦም።

ሰር ቦብ ጌልዶፍ ብምኽንያት ስራሕ ኣብ መቐለ ከምዘይርከብ ገሊፁ ኣብ ክንድኡ እታ ኣብ ድርቂ 1977 ካብ ኢድ ሞት ንሕንጢጥ ዘምለጠት ብርሃን ወልዱን ንሓላፊ EYES ማለት እውን ትካል ትምህርታዊ ሓገዝ ንመናእሰይ ኢትዮጵያ ኣይተ ብስራት መስፍንን ነቲ ክብሪ ክቕበልሉ ወኪሉዎም’ሎ።

ኣይተ ብስራት መስፍን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ንቦብ ክብሪ ብምሃቡ ልዑል ኩርዓት ተሰሚዑና’ሎ ይብል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:54 0:00

XS
SM
MD
LG