መቐለ —
ፈደራላዊ መንግስቲ “ኣከራኻሪ” ኢሉ ኣብ ዝፅውዖም ከባቢታት ድሕሪ ኲናት ዝተመስረቱ ምምሕዳራት ምፍራስ፣ ተመዛበልቲ ምምላስን ምጥያሽ ሓዱሽ ምምሕዳርን ክሳብ ሰነ 30 ክዛዘም ኣብ ስምምዕነት ከም ዝተበፅሐ፣ ምክትል ፕረዚደንት ጊዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም።
ሌ/ጀነራል ታደሰ ሎሚ ንማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቡዎ ነቲ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ተመስገን ጥሩነህ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ንጸገማት ብሓይሊ ንፍታሕ ዝደልዩ ኣለዉ ዝበሎ`ውን ምላሽ ሂቦምሉ ኣለዉ።
ቅጥዒ