ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውድብ ናፅነት ትግራይ ኣባላቱ ይእሰሩ ምህላዎም ይኸስስ፡ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ነቲ ክሲ ይነጽግ


ኣቦ-መንበር ውድብ ናፅነት ትግራይ ዶክተር ደጀን መዝገበ
ኣቦ-መንበር ውድብ ናፅነት ትግራይ ዶክተር ደጀን መዝገበ

ኣቦ-መንበር ውድብ ናፅነት ትግራይ ዶክተር ደጀን መዝገበ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ ኣባላቶም ብሕልፊ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ክልል ትግራይ ኣደዳ ማእሰርቲን ምግልታዕን ይዀኑ ከም ዘለዉ ከሲሶም። ኣብቲ ዞባ ዘሎ ወራር ማዕድንን መሬትን ንኸይቃላዕ እዩ እቲ በደል ዝበፅሕ ዘሎ ዝበሉ ኣቦ-መንበር'ቲ ውድብ፡ ብፍላይ ድሕሪ ጉባኤ ህወሓት ይጋደድ ከም ዘሎ ተዛሪቦም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰላምን ፀጥታን ዞባ ሰሜን ምዕራብ ክልል ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ኣባዲ፡ እቲ ክሲ ካብ ሓቂ ዝርሓቐን ጸለመን እዩ ክብሉ ንድምፂ ኣመሪካ ምላሽ ሂቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG