መቐለ —
ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ መንጎ መሪሕነት ህወሓት ዘሎ ኣፈላላይ ኣብ ዝዓርገሉ ዘሎ እዋን፡ እታ ንኣስታት 100 መዓልታት ብዘይ ከንቲባ ዝጸንሐት ከተማ መቐለ፡ ሎሚ ሓሙስ ብዶክተር ደብረጽዮን ብዝምራሕ ህወሓት ዝተመዘዘ ከንቲባ ስራሖም ጀሚሮም። ዶክተር ረዳኢ በርሀ ህዝቢ ብዝገበረሎም ጻውዒት ነቲ ስራሕ ከም ዝጀመሩ ክገልጹ እንከለዉ፡ ብግዜያዊ ምምሕዳር ዝተሸሙ ኣቶ ብርሃነ ገብረየሱስ ግን ዕልዋ መንግስቲ ክብሉ ጸዊዖሞ ኣለዉ። እዚ ቅልጡፍ ምዕባለታት ፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘለወሉ እዋን’ዩ።
ንዘሎ ምዕባለታት ዝምልከት ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቅጥዒ