ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ኣማኢት ኣሻሓት ዕድል ስራሕ ክፈጥር'ዩ' ይብል ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ


ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ
ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መደባት 'ትራንስፎርሜሽን' ካብ ሕርሻ ናብ ኢንዱስትሪ ዝመርሖ ቁተባ ወሳኒ ተራ ኣለዎ ኢሉ ንዝኣመነሎም 'ማእከላት ኢንዱስትሪ - ፓርክ ኢንዱስትሪ' ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት'ታ ሃገር ኣብ ምኽፋት ይርከብ።

ብመሰረት'ዚ፣ ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ ኣብ'ዚ ሰሙን'ዚ ብቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ተመሪቑ ተኸአፊቱ ኣሎ። ኣብ 100 ሽሕ ትርብዒት መርየት ዝቆመ ፓርክ ኢንዱስትሪ መቐለ መሊኡ ስርሑ ክጅምር ከሎ ን100 ሽሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ክፈጥር'ዩ።

እቲ ማእከል ኢንዱስትሪ 'ንወነንቲ ማኑፋክቸሪንግ ምቹው ስፍራ ዝፈጥር'ዩ' ዝበሉና ወሃቢ ቃል ቢሮ ርክብ ህዝቢን መንግስቲን'ቲ ክልል ኣቶ ያሬድ ዓለምሰገድ 'ምምሕዳር'ቲ ክልል ንሰብ ሃብቲ ኣሜሪካ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ኢንቨስተራት ይስሕብ ከምዘሎ' ሓቢሮም።

'ክልላዊ ምምሕዳር ኣገልግሎት ማይ፣ ጽርግያን ኪኢላ ሓይሊ ሰብን ኣብ ምቕራብ'ውን ይነጥፍ ኣሎ' ኢሎም ኣቶ ያሬድ።

እዞም ፓርክ ኢንዱስትሪታት ኣብ ኣዋሳ፣ ኮምቦልቻን መቐለን ዛጊድ ተመሪቖም ተኸፊቶም ኣለው።

please wait

No media source currently available

0:00 0:10:39 0:00

XS
SM
MD
LG