ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣደ ማእኸል ሕክምና ኣብ ከተማ መቐለ


ማእከል ሕክምና ኣደታት መቐለ
ማእከል ሕክምና ኣደታት መቐለ

ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዓዲ ሹምድሑን ኣብ ቀረባ እዋን ተሃኒፁ ግልጋሎት ምሃብ ዝጀመረ ማእኸል ሕክምና ብዋናነት ኣደታት ዝሕከማሉን ዝወልዳሉን እዩ። ብተወሳኺ እቲ ማእኸል ሕክምና ጥዕና ህፃውንቲ፣ ሕክምና ውሽጣዊ ሕማማትን መጥባሕትን እውን ከምዝህብ ወናንን ላዕለዋይ ሓኪም ማህፀንን ጥንስን ዶክተር ሳምሶን ሙሉጌታ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።

ኣደ ማእኸል ሕክምና ግልጋሎቱ ብፅፈት ንምሃብ ምቁርራፅ መብራህትን ማይን ንምፍታሕ እኹል ምስንዳእ ከምዝገበረ ይገልፅ። ብመሰረት እዚ ናይ ዓርሱ መሐለውታ ጀነሬተር ተዳልዩ’ሎ፤ ተወሳኺ መጠን ሓይሊ ማይ እውን ከምዝረኸበ ይገልፅ።

ዶክተር ሳምሶን “ሞያ ሕክምና ንመዋህለሊ ገንዘብ ተባሂሉ ዝስራሕ ኣይኰነን፤ ማሕበራዊ ግልጋሎት ዝወሃበሉ ሞያ እውን እዩ። ገንዘብ ንምውህላል ኣብ ካልእ ብዙሕ ዘየድክም ዓውዲ ስራሕ ምውፋር ይከኣል እዩ” ይብል። ኣብነት ኣብቲ ማእኸል ሕክምና ውዒሉ ዘሎ ኣስታት 20 ሚልየን ገንዘብ ኣብ ካልእ ንግዳዊ ስራሕ ኣዋፊርካ ቅልጡፍ ከስቢ ምተረኸበሉ ነይሩ፤ ኰይኑ ግና ዕላማና መንግስቲ ጥዕና ሕብረተሰብ ንምሕላው ኩሉ ክሽፍን ስለዘይኽእል ነቲ ክፍተት ንምምላእ ዝተጣየሸ ምዃኑ ክንርዳእ ይግባእ እውን ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:38 0:00

Recommended

XS
SM
MD
LG