ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ቐረጽ ዘይከፈላ ዝተባህላ ናይ ጽዕነት መኻይን ተኣሲረን


መንግስቲ ኢትዮዽያ ንወነንቲ ትካላት ህንፀት ንምሕያል 70 ሚኢታዊ ልቓሕ ብምፍቃድ ሓመድን እምንን ዝፅዕና ዓበይቲ መኻይን ካብ ቀረፅ ናፃ ከእትዉ ፈቒዱ። በዚ ኣቢሉ መንግስቲ እቶም ሰብ ውልቀ ትካላት ህንፀት ኣብ ስራሕ ሓበራዊ ኣባይቲ ንኽዋፈሩ ይደልይ።


ነዚ ንምትግባር ድማ ትካል ህንፀት ኣባይቲ ትግራይ፣ባንኪ ንግዲ ኢትዮዽያን ወነንቲ ትካላት ህንፀት ሓበራዊ ውዕሊ ኣትዮም። ኣብቲ ውዕል ትካል ህንፀት ኣባይቲ ትግራይ ነቶም ትካላት ህንፀት ስራሕ ክፈጥር ተዘይኮይኑ ኣብ ካልኦት ስራሕቲ ህንፀት ወፊሮም ክሰርሑን በዚ ኣቢሎም ልቐሖም ከመልሱን ተሓቢሩ'ሎ።

መንግስቲ ሎምዘበን ዘስረሖ ኣባይቲ ስለዘየለ እቶም ትካላት ህንፀት ኣብ ዘዝረኸብዎ ስራሕ ወፊሮም ክሰርሑ ጀሚሮም'ዮም።
ቤት ፅሕፈት ጉምሩኽን ኣትውን ሰሜናዊ ኢትዮዽያ ግና እተን መኻይን ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባር ተዋፊረን ብምባል ዓጊትወን ይርከብ።

ሓላፊ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣይተ ሙሉጌታ ሮቤል “እቲ ኣብ መንጎ መንግስታዊ ትካላትን እቶም ሰብ ዋና ትካላት ህንፀትን ዝተፈረመ ውዕል ንሕጊ ጉምሩኽ ስለዝፃባእ ተቐባልነት የብሉን። ኮይኑ ግና እተን መካይን ብፍቓድ መንግስቲ ስለዝኣተዋ ዝግበር ምትዕሪራይ እንተሃልዩ ክገልፁልና ንላዕለዎት ሓለፍትና ኣፍሊጥና ኣለና ኢሎም’’

እቶም ሰብ ዋና ትካላት ህንፀት ግና ሰሪሕና ዕዳና ከይንኸፍል ግዜ የምልጠልና ኣሎ።መንግስቲ ቅልጡፍ ፍታሕ ክህበና ንሓትት ይብሉ ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG